ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዒላታት ነዳዲ ብሓባር ንምብርባሩ ይዝትያ

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዒላታት ነዳዲ ብሓባር ንምብርባሩ ይዝትያ

Radio Erena: 15 June 2018

sudan and south sudan

ሱዳን፣ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ሄግሊግ ዝርከብ ዒላታት ነዳዲ ዳግም ንፍርያት ምብቅዑ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘተ ተካይድ ከምዘላ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ ሚኒስተር ነዳዲ ኣዝሃሪ ዓብዱልቃድር ዓብደላ ዝመርሖ ወኪል መንግስቲ ሱዳን ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጁባ ብምምራሕ ምስ ደቡብ ሱዳናዊ መዘንኡ ህዝቅኤል ሎ ጋቱክ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

ብዋሕዲ ነዳዲ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ነዳዲ ዝጸዓና 12 መራኽብ ናብ ወደባ ኣጸጊዓ ተራግፍ ከምዘላ ገሊጻ’ላ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ’ውን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቕጽል ልቓሕ ነዳዲ ንምኽታም ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምዝርራብ ትርከብ።

ይኹን’ምበር እታ ጎኒ ጎኒ’ቲ ካብ ሃገራት ውሽመጥ ክትሽምቶ እትውጥን ዘላ ነዳዲ፣ ነቲ ባዕላ እተፍርዮ ዝነበረት ነዳዲ ናብ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምኻዱ፣ ዳግም ንምብርባሩ ምስ ጎረቤታ ንምስምማዕ ከምዝወሰነት’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ዒላታት ነዳዲ፣ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ 2012 ኣብ ዘካየድኦ ኵናት ከቢድ ዕንወት ከምዝወረዶ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ሕጂ ዘካይድዎ ዘለዉ ስምምዕ ከኣ፣ ነቲ ዝወረደ ዕንወት ብምግምጋም፣ ዳግም ተጸጊኑ ናብ ረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ዝውዕለሉ ተኽእሎታት ንምንዳይ ዝዓለመ’ዩ።

ዒላታት ነዳዲ ዝርከበሉ ሄግሊግ፣ ኣብ መንጎ ደቡባዊ ኮርዶፋን ዞባ ዩኒቲን ዝርከብ ኮይኑ፣ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011፣ መንግስታት ካርቱምን ጁባን ብዋንነቱ ተሰሓሒቦም ብዘካየድዎ ኵናት ካብ ፍርያት ደው ኢሉ ዝጸንሐ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0