ኤርትራ፣ ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ዝስዕብ ዝነበረ ሞት፣ ብ83 % ጎዲሉ

ኤርትራ፣ ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ዝስዕብ ዝነበረ ሞት፣ ብ83 % ጎዲሉ

Radio Erena: 25 March 2019

ኤርትራ፣ ምስ ኤችኣይቪ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሰባት፣ ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ዝስዕብ ዝነበረ ሞት ብ83% ከምዝጎደለ ሕቡራት ሃገራ ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ኤችኣይቪ ኤይድስ፣ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ዓባይ ሰዓል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ መጠነ ሞት ብ75% ከጉድላ ብዝቐረበ እማመ፣ ነቲ መደብ ቅድሚ ግዜኡ ናብ ዓወት ዘብጽሖ ሃገራት ቀዳመይቲ ህንዲ ብ84% ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ድማ ብ83% ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑዋ ኣሎ።

ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ምስ ኤቭኣይቪ ኤይድስ ዝነበሩ ሰባት ዝርከበላ ማላዊ’ውን ነዚ ኣብ 2016 ዝቐረበ እመማ ምጉዳል መጠነ ሞት ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ብ78% ኣብ ሸትኡ ኣብጺሓቶ ኣላ።

18 ሃገራት ነዚ መጠነ ሞት ብልዕሊ 50% ከምዘጉደላ ተሓቢሩ።

እዘን ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፣ ነዚ ሸቶ’ዚ ክዕወታሉ ዝኸኣላ፣ ብምትሕብባር መሻርኽቲ ሃገራትን ውድባትን’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ጥዕና ዝህሉ ፖሊሲ መንግስቲን ተበግሶን’ውን ወሳኒ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ ፍቅሪ ሚልዮን ምስ ኤችኣይቪ ዝነበሩ ሰባት ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ክሞቱ ምጽንሖም ዘመልከተ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፣ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ብ42% ከምዝጎደለ ኣመልኪቱ።

ዓባይ ሰዓል፣ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ብምርካብ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም እኳ እንተኾነ፣ ምስ ኤቭኣይቪ ኤይድስ ንዝነብሩ ሰባት ግና፣ እቲ ቀንዲ ቀታሊ ተደራቢ ሕማም ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0