ኤርትራ፣ ምስ ምዕጻው ዶባት ኢትዮጵያ ንዝተራእየ ናህሪ ዕዳጋታት ንምቁጽጻር፣ መንግስቲ ዋጋታት ጥሪት ወሲኑ

Radio Erena: 25 April 2019

ምስ ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ኤርትራ እናናሃረ ንዝመጽእ ዘሎ ዋጋታት መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ንምቑጽጻር፣ መንግስቲ ኤርትራ ዋጋታት ጥሪት ዝውስን ምልክታ ዘርጊሑ።

ብምምሕዳር ዞባ ማእከል ዝተዘርግሐ ምልክታ ከምዘነጽሮ፣ ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ ናይ ዋጋታት ምውሳን ጥሪት ውሽጢ ሃገር፣ ብምኽንያት ፋሲካ ክጅመር ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ነቲ ዝመጸ ዋጋታት ብምርኣይ፣ ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ዋጋታት ካብ ነጋዶ ጥሪት ክዕድግን ክቖጻጸርን ዝጽውዕ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ዋጋታት፣ በጊዕ ክሳብ 1350 ናቕፋ፣ ጤል ክሳብ 1050 ናቕፋ፣ ደርሆ ክሳብ 105 ናቕፋ፣ ንሓንቲ እንቋቁሖ ድማ ክሳብ 2 ናቕፋ ክሸይጥ ዝውስን’ዩ።

ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ሕሰም ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ ዶባት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ዋጋታት መሰረታዊ ብዝተዓጻጸፈ ዋጋታት ብምጉዳሉ፣ ተዛማዲ ዕረፍቲ’ዩ ረኺቡ ጸኒሑ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነተን ተኸፊተን ዝጸንሓ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ኣርባዕተ መስመራት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዕጻው፣ ዋጋታት መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን ናብ ዝነበሮ ሰማይ ክዓርግ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ዝዓጸወሉ ምኽንያት ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ብደገፍቱ፣ ሕጋዊ ናይ ግምሩኽን ቀረጽን መስርሕ ክሳብ ዝጅምር ዝብል ወረ ይጋዋሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    wedinakfa 5 years ago

    Endless lies won’t make a change but it might soothe the vassals to appease their masters!”!