ኤርትራ፣ መማህራን ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ዝስተ ማይ ይጓርቱ

Radio Erena: 03 November 2019

ኣብ ከተማታት ኤርትራ ሕጽረት ማይ ኣጋጢሙሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሞያዊ ስልጠና ዝህባ ኮሌጃት እውን ተመሳሳሊ ሽግር ኣጋጢሙወን ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ ኣብ ኮሌጅ ኦቭ ቢዝነስ ኤን ሶሻል ሳይንስ ዓዲቀይሕ ዝርከቡ መማህራን ሽግር ዝስተ ማይ ኣጋጢሙዎም ካብ ስርሖም ተዓናቒፎም ከምዘለዉ ይገልጹ።

ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ መስመራት ማይ ተዘርጊሑዎ ግቡእ ኣገልግሎት ይህብ እኳ እንተሎ፣ ንምስታይ ግና ጽሬቱ ዝተሓለወ ብዘይምዃኑ፣ እቶም መማህራን መዓልታዊ ክሳብ ፍርቂ ሰዓት ብምጉዓዝ ማይ ብጀሪካናት ይጓርቱ ከምዘለዉ ይግለጽ።

እዚ ጸገም ዝስተ ማይ ኣብ ተመሃሮ እውን ሽግር ፈጢሩ እኳ እንተሎ፣ ምስ ሕጽረት ምንቅስቓስ፣ እቶም ተመሃሮ ጥዕናኡ ዘይተሓለወ ኣብቲ ቀጽሪ ካብ ዝርከብ ማይ ቡምባ እዮም ዝጥቀሙ ዘለዉ።

ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኮሌጃት ንዝርከቡ ተመሃሮ እኳ ጽሩይ ማይ ክቕርብ ኣይከኣለን ክብሉ ተመሃሮ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ መረረኦም ብዓውታ የስምዑ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ወነንቲ ቦጣት ብኣልማማ ተፍትሽ ከምዝተኻየደሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ተፍትሽ፣ ገለ ወነንቲ ቦጣት ነቲ ማይ ዘዕቁር ክፋል መካዪዶም ብምኽፋል ማይ ብኮንትሮባንድ ክነግዱ ጀሚሮም ብዝብል ጥርጣረ ምዃኑ ብውሽጢ-ውሽጢ ክውረይ ከምዝቐነየ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Mussie michael wedi Digsa 4 years ago

    Wedi esra ente zeimelkie
    Wedi salsa ente zeikewie
    Wedi arbea ente zeitetie
    Wedi hamsa ente zeilemie
    Wedi susa ente zeyehlfe
    Taesa yemewt mes scherefe.