ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርያ እዋን ስፖርታዊ ቅልስ ደቂንስትዮ ኣአንጊዳ

Radio Erena: 04 November 2019

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርያ ዝኾነ፣ ስፖርታዊ ቅልስ ደቂንስትዮ- women’s wrestling ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ31 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ስፖርታዊ ቅልስ፣ ኣመሪካውያን ናታልያን ላሲ ኢቫንስ’የን ተጋጢመን።

ንሳተን፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘዘውትርኦ ዝነበራ ቅሉዕ ኣከዳድና፣ ብዝያዳ ተሸፋፊነን እኳ እንተቀረባ፣ ጸጉሪ ርእሰን ክጉልብባ ግና ኣይተገደዳን።

ኣብቲ ኣብታ ሃገር ንመጀመርያ እዋኑ፣ ኣብ ስታድዮም ንጉስ ፋሃድ ዝተኣንገደ ስፖርታዊ ቅልስ ደቂንስትዮ፣ ኣሽሓት ተዓዘብቲ ተረኺቦም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ብእተተኣታትዎ ዘላ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት፣ ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራ፣ ኣብ መዘናግዒ ማእከልታን ስታድዮማትን ምስ ደቂተባዕትዮ ሓቢረን ክዕዘባ፣ ብዘይመሰነይታ ደቂተባዕትዮ ፓስፖርት ከውጽኣን ክገሽእን፣ ኣባላት ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ክኾናን ዝርከቦ ለውጥታት ኣብ መሰል ደቂንስትዮ ፈቐዲ ኣላ።

እንተኾነ እታ ሃገር፣ ንደቂንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ናብራ ማዕረ መሰል ደቂንስትዮ ካብ ዘይፈቕዳ ሃገራት ኮይና፣ ስም ቀዳሞት’ያ ትስራዕ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0