ኤርትራ፣ ልዕሊ 95% ነፍሰጾራት መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ-ኤይድስ ከምዝግበረለን ተገሊጹ

Radio Erena: 14 December 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 95% ነፍሰጾራት፣ መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ – ኤይድስ ከምዝግበረለን ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

እቲ ውድብ ብምኽንያት እቲ ኣብ ባሕቲ ታሕሳስ ተዘኪሩ ዝወዓለ መዓልቲ ኣይድስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ 2019 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፣ ካብተን ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ኤይድስ ዝነብራ ነፍሰጾራት፣ እተን 95%’ውን ሕክምናዊ ክንክን ከምዝግበረለን ኣፍሊጡ።

ሳላ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፣ ካብ 100 ሽሕ ነፍሰጾራት፣ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ዝመሓላለፍ ቫይረስ ኤች.ኣይ.ቪ ናብ ዜሮ ከምዝወረደ ተመልኪቱ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ኤይድስ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ኣዳራሽ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ዝተዘከረሉ ኣጋጣሚ፣ ኤርትራ ንምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ንኻልኦት ተሞክሮ ክኸውን ከምዝኽእል ንሓላፊት ሃገራዊ መደባት ምቁጽጻር ኤች.ኣይ.ቪ – ኤይድስ፣ ሲስተር ንግስቲ ተስፋሚካኤል ብምጥቃስ መርበብ ዜና ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ኣብ ምቑጽጻር ኤች.ኣይ.ቪ – ኤይድስ፣ ወኪል ሕቡራት ሃገራት፣ ፕዋርየር ቴረስ ብወገና፣ ኤርትራ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ሒዛቶ እተካይዶ ዘላ ንጥፈታትን፣ ክሳብ 2030 ካብቲ ሕማም ናጻ ዝኾነ ወለዶ ናይ ምውሓስን መደብ፣ ኣብ ቀረባ ክጭበጥ ከምዝኽእል ኣሚታ።

ኣብ ኤርትራ፣ መጠን ለበዳ ኤች.ኣይ.ቪ – ኤይድስ ይኹን ብዝሒ ምስቲ ቫይረስ ዝነበሩ ሰባት፣ ብወግዒ ዘይግለጽ እኳ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናጎደለ ይመጽእ ምህላዉ’ዩ ብወገን መንግስቲ ዝጥቐስ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0