ጂቡቲ፣ ሉኣላውነታን ሃገራዊ ድሕነታን ንምውሓስ እትገብሮ ጻዕርታት ቻይና ከምእትድግፋ ፕረዚደንት ዢፒንግ ገሊጹ

Radio Erena: 14 December 2022

ፕረዚደንታት ጂቡቲን ቻይናን ኣብ ክልትኣዊ ረብሓታት ዝተመርኮሰ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ቻይና፣ ዢ ጂፒንግ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሪያድ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ብ09 ታሕሳስ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ሰፊሕ ምይይጥ ኣብ ዘካየደሉ ኣጋጥእሚ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ጂቡቲ፣ ንቻይና ኣብ ብዙሕ መዳያት ትሕግዛ ኣላ ዝበለ ፕረዚደንት ዢ፣ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ሆንኮንግን ዘለዋ መርገጺ ኣመስጊኑ።

እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፣ ጂቡቲ ምስ ሃገራዊ ኩነታታት ብዝሳነ፣ ሓድሽ ናይ ምዕባለ መንገድታት ከተናዲ እንተተበጊሳ፣ ምሉእ ደገፍ ቻይና ከምዘይፍለ’ያ ኣረጋጊጹ።

እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ መናሃርያ ንግዲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃን ክሳብ 2035 ሰሪዓቶ ኣብ ዘላ ራኢ፣
ቻይና ኣብ ምህናጽ መንገዲ ባቡር፣ ምስፋሕ ወደባት ካልእ ምስ ወፍሪን ልምዓትን ዝተኣሳሰር መደባትን ትዋሳእ ከምዘላ ‘ዩ ኣብቲ ምምይጥ ተመልኪቱ።

ፕረዚደንት ዑመር ገለ ብወገኑ፣ ‘ቻይና ክልቴና እንዕወተሉ ምትሕግጋዝ ኣብ ዝብል እምነት ዘለዋ፣ መሓዛን ስትራቴጃዊት መሻርኽትን’ ጂቡቲ ‘ያ ክብል ኣስሚርሉ።

ጂቡቲ ምስ ቻይና ዘለዋ ሽርክነት ከተዕቢ ከምእትደሊ ብምምልካት ድማ፣ ነታ ኤስያዊት ሃገር ኣብ ዘርብሕ ሕጋውን ወሰንቲን ጉዳያት፣ ደገፋ ከምእትቕጽል ኣዘኻኺሩ።

ቻይና፣ ካብ 2016 ኣትሒዛ፣ ኣብ ጂቡቲ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ዝተገብረሉን ኣስታት 500 ወትሃደራት ዝዓስከረሉን ወትሃደራዊ ማእከል ሃኒጻ ትርከብ።

እዚ ብስም ‘መዓስከር ወሃቢ ድጋፍ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት’ ዝተሰምየ ወትሃደራዊ ማእከል፣ ነተን ካብ ነዊሕ እዋን ኣብታ ኣብ ኣፍደገ ኤል መንደብን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ስትራቴጅያዊት ሃገር፣ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝርከባ ኣመሪካን ፈረንሳ ስግኣት ፈጢሩለን ምህላዉ ይግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0