ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ንራብዓይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ ይዝክሩ

Radio Erena: 20 January 2017

Asmara Tanks

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ን21 ጥሪ፣ መበል ራብዓይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ ይዝክሩ ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያ፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታትን መራኸቢታትን ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለው መልእኽታት፣ ስርሒት ፎርቶ፣ ከምቲ ዝተወጠኖ ክዕወት ደኣ ኣይኽኣል እምበር፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ለውጢ ዝደልዩ ሓይሊ ከምዘሎ ዘግሃደ ፍጻሜ’ዩ ብምባል ይምጉስ።

ንሃንደስትን ፈጸምትን ነቲ ስርሒት ዘለዎም ኣድናቖት ንምግላጽ ከኣ፣ ኣሳእል ናይቲ፣ ኣብቲ ስርሒት ፎርቶ ህይወቱ ዝሓለፈት “ብወዲ ዓሊ” ዝፍለጥ ገዲም ተጋዳላይ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ብብዝሒ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣብ 21 ጥሪ 2013፣ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝተመርሐ “ስርሒት ፎርቶ”፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝገበሮ ጻዕሪ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ኣብቲ ስርሒት ተሓባቢሮም ዝተባህሉ 10ታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ህግደፍን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ዝተቐየዱ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴን፣ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብርን፣ ሚኒስትሪ ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ፣ ሜጅር ጀነራል ዑመር ጠዊል፣ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኮለነል መሓመድኑር፣ ሓላፊ ህግደፍ ዞባ ደቡብ ሳልሕ መሓመድ ዑመር (ካፈኖ)፣ ኣዛዚ ሃንደሳ ኮለነል ዮሱፍ መሓመድ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ነበር ዑስማን እድሪስ ጅምዕ ካልኦትን ይርከብዎም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብ ፎርቶ ዝተኻየደ ለውጢ ዝጽውዕ ስርሒት፣ “እስላማዊ ምንቅስቓስ” ክብል’ዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ስዉር ፕሮፖጋንዳ ኣካይድሉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0