“ኣብ ኤርትራ፣ 2 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ረዲኤት የድልዮ” CARE International

Radio Erena: 19 January 2017

Suff

ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘድልዮ CARE International ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ገሊጹ።

እቲ ትካል፣ ‘ብስቕታ ዝሳቐዩ ዘለው ህዝብታት’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዝኾነ ናይ ረድኤት ትካላት ናብታ ሃገር ከይኣትዋ ብምእጋዱ፣ ኣበርክቶ ክገብር ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ 1.2 ሚልዮን ቆልዑ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ከምዝሳቐዩ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት -UNICEF ኣብ መጀመርያ ዓመተ 2017 ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝተኸስተ ዞባዊ ደርቂ ኤል-ኒኖ፣ ን80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝጸለወ ብምጥቃስ፣ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዝተራእየ ሸሮኽ’ውን ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ’ዩ ዝጠቅስ።

ብዋሕዲ መሰረታዊ መግብን መኣዛዊ መግቢ ቆልዑን ብዝያዳ ዝተጠቕዐ ዞባታት ኤርትራ፣ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዓንሰባን ጋሽ ባርካን ምዃኑ ዘተሓሳሰበ UNICEF፣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቲ በቲ ኩነታት ዝተጸልወ ኣስታት 2 ሚልዮን ህዝቢ ፣ እቶም 60 ሚእታዊት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ብመሰረት UNICEF ኣብ 2017 ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤትን መኣዛዊ መግቢን ዘድልዮም ቆልዑን ዝውዕል 16 ሚልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ እኳ እንተሓተተ፣ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ 7.8 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከምዝረኸበ’ዩ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ ዓመተ 2017፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝን መኣዛዊ መግብታትን ዘድልዮም ንኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቆልዑ ንምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሳላ ዝነበረ ጽቡቕ ክራማት ኣብዚ ዓመት እዚ እኹል ምህርቲ ከምዝተሓፍሰ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ UNICEF ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቆልዑ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤትን መኣዛዊ መግብታትን ከምዘድልዮም ዘመልክት ዘሎ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ዝርከባ ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ዓለም ምዃና ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

ይኹን’ምበር ከም CARE International ዝኣመሰላ ትካላት ረድኤት፣ ናብ ኤርትራ ኣትየን ምስ መንግስቲ ብሽርክነት ህዝቢ ንምሕጋዝ ከይሰርሓ ከምዝተኸልከላ’የን ዝገልጻ።

ኣብ ዝበዝሐ ሃገራት፣ ትካላት ረድኤት፣ ካብ ዝህብኦ ኣገልግሎት ዝፈጥርኦ ጸገማት ስለዝዛይድ፣ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ትካላት ረድኤት ናብ ኤርትራ ብብዝሒ ክኣትዋ ከምዘይፈቅድ ይፍለጥ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0