ህግደፍ፣ ኣብ ጁባ ንዝነጥፉ ኤርትራውያን ነጋዶ፣ ንምቁጽጻሮም ጻዕርታቱ ይቕጽል

Radio Erena: 20 January 2017

Juba Eritreans

ህግደፍ፣ ኣብ ጁባ ንዝንቀሳቐሱ ኣውፈርቲን ነጋዶን ንምቁጽጻር፣ ዝተፈላለየ ሜላታት እናተጠቕመ ጻዕርታቱ ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ንስልጣን መንግስቲ ብሒቱ ዝርከብ ህግደፍ፣ ብመንገዲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኣቢሉ፣ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብምሉኦም ክምዝገቡን ዘለዎም ብዝሒ ገንዘብ ወይ ቅሙጥ ሃብቲ ከፍልጡን ተደጋጋሚ ጻውዒት ይገብር ኣሎ።

“ድሕነት ዜጋታት ንምፍላጥ”፣ ብዝብል ጉልባብ፣ ቆጸራ ኣብ ጁባ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንምክያድ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ከካይድ እኳ እንተጀመረ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ግና፣ ሃብትና ንምቁጽጻርን ንምዝማትን’ዩ ካብ ዝብል እምነት ኣይተቐበልዎን።

ህግደፍ ብዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ናይ ስራሕ፣ ወፍርን ንግድን ዕድላት ስኢኖም ናብ ስደት ዘምርሑ፣ ዝበዝሑ መንእሰያት ዝርከብዎም ኤርትራውያን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኮንጎ፣ ሩዋንዳን ኣንጎላን ዕዉታት ሰብ ርእሰ ማል ኮይኖም ምህላዎም ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ብጉዳይ ፓስፖርት፣ መንነት ወረቐትን ካልእ ምስ ዜግነት ዝተሓሓዙ ጉዳያት፣ ሓያሎ ካብዞም ኤርትራውያን ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ዘራኽቦም ጉዳያት ስለዘሎ፣ ህግደፍ ብቐሊሉ ከፈራርሖምን ዝውንንዎ ሃብቲ ክፈልጥን ከምዝኸኣለ’ዩ ዝሕብር።

ኣብ ጁባ፣ ኩባንያ ህንጻ ሰገንን ካልኦትን ኣዋፊሩ ዝርከብ ህግደፍ፣ ንቁጠባን ወፍርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ዋኒን ንምቁጽጻር ከምዝሰርሕ’ዩ ዝንገረሉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0