ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት- እስራኤል ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት- እስራኤል ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ

Radio Erena: 25 June, 2014

Israel Det

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ እሱራት ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም እሱራት፣ ነቲ መዓልታዊ ንሰለስተ ግዜ ዝካየደሎም ቁጽጽር ወይ ፎልዮንን ካልእ ኣተሓሕዛ እቲ ቤት ማእሰርትን ንምቅዋም ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ሖሎት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ጉዳዮም ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ድማ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ክጅምሩ ምዃኖም’ዮም ዝጠቕሱ።

ኣብ ቤት ምእሰርቲ ሖሎት ናይ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ሽዱሽተ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብፍሉይ ክቕየዱ እንከለዉ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ እቶም ኣርባዕተ ከምዝተፈትሑን ክልተ ግና ዛጊት ብፍሉ ተታሒዞም ከምዘለዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣረጋጊጹ።

 

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ዓመት ጌርኩም እናበለ ዝገፎም ዝነበረ ስደተኛታት ብምቁራጽ፣ ግዝያዊ ናይ ክልተ ወርሒ መንቐሳቐሰ እናሃበ ከፋንዎም እንከሎ፣ በንጻሩ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓዞም ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ዛጊት ዳጕንዎንም ይርከብ።

መንግስቲ እስራኤል በቲ ሓደ ወገን ስደተኛታት ናይ ምስጓግን ገንዘብ ከየሰጋገሩ ምኽልካልን ዝኣመሰለ መደባት ክሕንጽጽ እንከሎ በኻልእ ሸነኽ ድማ ንስደተኛታት ሞያ ስልጠና ናይ ምሃብ ውጥን ከምዘለዎ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

ኣብ እስርኤል 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0