ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ኣመሪካ ብሓደጋ መኪና ኣርባዕተ ሰባት ቀቲሉ

ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ኣመሪካ ብሓደጋ መኪና ኣርባዕተ ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 26 June, 2014

Mil

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ-ሁስተን ብሓደጋ መኪና ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለ ኤርትራዊ፣ ጠንቑ ኣልኮላዊ መስተ’ዩ ክብላ ማዕከናት ዜና ሁስተን ገሊጸን።

እቲ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ሚልዮን ዘገርግስ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ቀይሕ መብራህቲ ጥሒሱ ምስ ካልእ መኪና ብምግጭዉ፣ ኣብታ መኪና ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለዉ፣ ሓንቲ ኣደ ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝባ ኣላ።

ፖሊስ ሁስተን፣ ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ኣብ ዘካየድዎ መርመራ፣ እቲ ካብ ናይ መርዓ ዕድመ ዝምለስ ዝነበረ ኤርትራዊ ካብ ሕጊ እታ ሃገር ዝፍቐዶ ዓቐን፣ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ትንፋሱ ከምዝጸንሖ ኣረጋጊጾም።

 

ንዝያዳ ምጽራይ’ውን ናይ ደምን ካልእን መርመራታት ተኻይድሉ ኣሎ።

እቶም ብሓደጋ መኪና ሞይቶም ዘለዉ ኣርባዕተ ሰባት ዕድሚኦም ኣብ ክሊ 60ን 80 ኮይኖም ካብ ቤት ጸሎት ናብ ገዝኦም ዝምለሱ ዝነብሩ’ዮም።

ብመስተ ዝተደፋፍአ ቅትለት ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተኸሰ ኤርትራዊ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ሁስትዮን ቀሪቡ ጉዳይ’ዩ ንመጀምርያ እዋን ተራእዩ።

ሚልዮን ዘገርግስ እቲ ናይ ታክሲ መምርሒ ፍቓድ ካብ ዝወስድ ሓደ ወርሒ ጥራይ’ዩ ጌሩ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0