ኤርትራውያን ን18 መስከረም፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትር፣ ንምዝካር ዝተፈላለየ መደባት ይውድቡ

ኤርትራውያን ን18 መስከረም፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትር፣ ንምዝካር ዝተፈላለየ መደባት ይውድቡ

Radio Erena: 07 September 2015

prios

ኣብ ኤርትራ ጸሊም ታሪኽ ዝተፈጸመሉ 18 መስከረም ንምዝካር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተፈላለየ መደባት ሰሪዖም ምህላዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተላእከልና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ ሓያሎ ስበስልጣን መንግስቲ ነበርን ጋዜጠኛታት ናይ ብሕትን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተመርሐ ጉጅለ፣ በልማማ ካብ ዝቐየደሉ 18 መስከረም፣ መበል 14 ዓመቱ ኣቑጽርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ደሃዮም ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ብዛዕባ ሃለዋት ናይቶም ደሃዮም ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ክፍለጥ ዘይክኣለ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበረን ጋዜጠኛታትን ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ዝውሕዝ’ኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ናይ እወታ ይኹን ናይ ኣሉታ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

 

18 መስከረም 2001፣ ናጽነታ ካብ እትርከብ 10 ዓመት ኣቑጺራ ዝነበረት ኤርትራ ናብ ፍጹም ምልኪ ከምዝወደቐት ዘረጋገጸትሉ ጸሊም ታሪኽ እናተባህለት ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት ክትዝከር ጸኒሓ’ያ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ዞባታት ዓለምን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀይዶም ንዝርከብ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ሃለዋቶም ከፍልጥ፣ ገበን ፈጺሞም እንተኾይኖም ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብን ምስ ስድራቤታቶም ክራኸቡ ድማ ክፈቐድን ተደጋጋሚ ጻውዒት እኳ እንተቕረቡ፣ ንኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ምርጫን ተስፋ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣንን ን24 ዓመታት ዝመርሐ እቲ ፕረዚደንት ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ንዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ መደባት ኣብ ምድላው ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብህይወት’ዞም ን14 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበረን ይኹኑ ካልኦት ናይ ፖለቲካን እምነትን እሱራት ቀዳማይ ተሓታቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ደጋጊሞም ይጭርሑ ኣለዉ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ብዛዕባ ፍጻሜ 18 መስከረም ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ትሕዝቶታት በብእዋኑ ኣብ ሬድዮ ኤረና ክቐርብ ምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር።

=============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0