መንግስቲ ሱዳን ኣርባዕተ ፖለቲከኛታት ቀይዱ

መንግስቲ ሱዳን ኣርባዕተ ፖለቲከኛታት ቀይዱ

Radio Erena: 08 September 2015

Albesshir

ሃገራዊ ዘተ ሱዳን ንኽካየድ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ሓያሎ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ቀይዱ።

ንመንግስቲ ሱዳን ብትሪ ዝነቐፉ ኣርባዕተ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዘረጋገጸ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፣ መስርሕ ሃገራዊ ዘተ እታ ሃገር ብቀሊሉ ክትግበር ከምዘይክኣል ኣገንዚቡ።

እቶም ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፣ ንመንግስቲ ዝነቕፍ መደረ እናስምዑ ብኣባልት ጸጥታ ከምዝተወስዱ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብ ካርቱም ይሕብሩ።

 

ብዘይካ’ዚውን ንመደረ እቶም ተቓወምቲ ዝሰምዑ ዝነበሩ ብውሕዱ 3 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም።

ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንዯት 17 ሱዳናውያን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሁማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ መሰላት የመልክት።

ጽገናዊ ለውጢ ንምትእትታው ዝዕላምኡ ሃገራዊ ዘተ ሱዳን ን10 ጥቅምቲ ክካየድ ምድላዋት ይግበረሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት እዚ እኳ እንተጸውዐ፣ ዝበዝሑ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ ኣብ ሓቕነት ናይቲ ዘተ ዘለዎም ጥርጣረታት ብምግላጽ ኣይተቀበልዎን።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0