ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ ትማሊ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ደሚቑ ውዒሉ

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ ትማሊ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ደሚቑ ውዒሉ

Radio Erena: 07 September 2015

nat sp

ትማሊ ሰንበት 6 መስከረም ኣብ ዝተሰላሰለ፡ መበል 15 መድረኽ ቮልታ ስጳንያ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ ናትናኤል ብርሃነ፡ ደሚቑ ውዒሉ።

ናትናኤል ኣብ’ዚ 175 ርሕቐት ዝነበሮ ውድድር፡ ኣብ መጀመርያ ሓሙሻይ ርእሱ ሃዲሙ’ኳ እንተነበረ፡ ዓባይ ጉጅለ ነዊሕ ከይከዱ ኣርኪባቶም። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ዳግማይ ምስ ካልኦት 9 ተቐዳደምቲ ኣምሊጡ ከይዱ።

ትሽዓቲኦም ተቐዳደምቲ እናተባረረዩ ዝበዝሑ ተቐዳደምቲ ንዝነበርዋ ጉጅለ ክሳብ ናይ 5 ደቓይቕ ፍልልይ ኣንጺፎሙላ ኔሮም።

 

ጸወታ ክውዳእ 40 ኪሎ ሜትር ምስ ተረፎ ግን፡ ዓባይ ጉጅለ ብክለብ ሞቪስታር እናተመርሐት፡ ናህራ ኣዛይዳ ክትሃድኖም ብምጅማራ፡ ኣብ መዛዘሚ 20 ኪሎ ሜትር ነቲ ጋግ ናብ 2 ደቒቕ ለጠቕ ኣቢላቶ።

ናቱ ዝነበራ 9 ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ኣብ መፈጸምታ ኣብ ዝነበረ ተሪር ዓቐብ ኣብ መጥቓዕትታት ስለ ዝተጸምደት፡ ፋሕ ብትን ክትብል ጀሚራ።

ናትናኤል ነዚ መጥቓዕትታት ኣብ ምክያዱን ኣብ ምፍሻሉን ቀንዲ ተዋሳኣይ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ስጳንያዊ ሃይማር ዙቤልዳ ስካቶ ምስ ገበረ ናትናኤል ከርክቦ ሓያል ጻዕሪ’ኳ እንተካየደ፡ ክሕዞ ኣይከኣለን።

ናትናኤል ኣብ መፈጸምታ 8 ደቓይቕን 49 ካልኢታት ድሒሩ መበል 45 ክወጽእ ከሎ፡ ካብ ሮድሪገዝ 41 ካልኢታት ጥራይ ዶንግዩ መበል 11 ተርታ ሒዙ ቅድድሙ ዝፈጸመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ ሜንከዝ፡ ሓፈሻዊ ደረጅኡ ካብ 12 ናብ ዓስራይ ብምብራኽ፡ ምስ ቀዳሞት 10 ተሰሪዑ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ዜና፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ትማሊ ኣብ ዝጀመረ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ብሪጣንያ 8 ካልኢታት ጥራይ ከሲሩ መበል 87 ደረጃ ሒዙ። ነዚ ቅድድም ኣባል ክለብ ስካይ ኢጣልያዊ ኢልያ ቪቪያኒ ተዓዊቱሉ።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0