ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ርዋንዳን እስራኤልን ዘካይድኦ ዘለዋ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ንምኹናን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ርዋንዳን እስራኤልን ዘካይድኦ ዘለዋ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ንምኹናን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Radio Erena: 22 January 2018

Har

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ፣ ነቲ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ እራኤል ዘካይዶ ዘሎ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ።

እቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ሎሚ ሰኑይ 22 ጥሪ ኣብ ከባቢ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ ከተማ ሄርጽልያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ርዋንዳ ብምትእኽኻብ፣ ኣብ ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ርዋንዳ ምእንቲ ገንዘብ ክብል ብዘይድሌቶም ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ስደተኛታት ክቕብል እንተወሲኑ፣ ኣብ ታሪክ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ጸሊም ታሪኽ ክገድፍ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

እቲ መንግስታት እስራኤልን ርዋንዳን ዝገብርዎ ዘለዉ ስምምዕ መሸጣ ደቂ ሰብ ምዃኑ’ውን ወቒሶም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ወገናቶን ብፍላይ ድማ ምሁራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነጠፍተኛታትን ኣብ ኤምባሲታት ርዋንዳ ተመሳሳሊ ሰልፍታት ክውድቡን ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከቕርቡን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።

እቶም ኤርትራውያን ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝውድቡ ዘለዉ፣ መንግስቲ እስራኤል ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ሚይዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ክሰጉግ ምዃኑ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እንተኾነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ፣ እቲ ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝተጀመረ ስምምዕ ኣብ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ከምዘይተበጽሐ ብምርግጋጽ፣ ብዘይድሌቶም ንዝስጎጉ ስደተኛታት ከምዘይቅበል’ዩ ዝገልጽ።

እስራኤል፣ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክወጹ ፍቓደኛታት ንዘይኮኑ ስደተኛታት ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ሳህሮኒም ክትኣስሮም ምዃና’ያ ተጠንቅቕ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0