ኤርትራውያን መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዶብ ኬንያ ተዓጊቶም

መንግስቲ ኬንያ፣ ናብ ሃገሩ ንዝገሹ ኤርትራውያን መእተዊ ቪዛ ንኽጥቐሙ ዘገድድ ሓድሽ ውሳኔ ድሕሪ ምሕላፉ፣ ኣብቲ ዞባ ካብን ናብን ጎረባብቲ ሃገራት ዝንቐሳቐሱ ዝነበሩ ኣማኢት ኤርትራውያን መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዶብ ኬንያ ተዓጊቶም ምህላዎም ኢንዴፕዝ ኣፍሪካ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ።

    ኣብ ዶብ ኬንያ ብሰንኪ መእተዊ ቪዛ ተዓጊቶም ካብ ዘለዉ ኣስታት 300 መራሕቲ ዓበይቲ መካይን መብዛሕቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ዘረጋገጸ እቲ ሓበሬታ፣ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረን ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኬንያን ሓደ ስምምዕ ክሳብ ዝብጻሕን ካብ ንጥፈታቶም ተሰናኺሎም ምህላዎም ኣረዲኡ።

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፣ ብዛዕባ’ቲ ኬንያ ዘሕለፈቶ ኤርትራውያን ካብ ሎሚ ንደሓር መእትዊ ቪዛ ክጥቐሙ ዝብል ውሳኔ ንኸተልዕሉ ዝጽውዕ ደብዳቤን መእልኽትን ናብ ፕረዚደንት ኬንያ ሙዋይ ኪባኪ ከምዘብጽሐ ዝዝከር’ዩ።

    እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ኬንያ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተወሰነ ናይ መእተዊ ቪዛ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ብኡ ንብኡ ከምዘየልዕሎ ምግላጹ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣባላት ስለያን ወትሃደራውያን ልኡኻትን ብምውፋር ሰላምን ጸጥታን እዚ ዞባ ይዘርግ ኣሎ ካብ ዝብል ስግኣት’ዩ ነቲ ኣቐዲሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ፣ ዜጋታት ኤርትራ ብዘይ ቪዛ ናብ ኬንያ ክእቱ ዘፍቅድ ውሳኔ ዘቋረጾ።

    እዚ ውሳኔ ነቶም ብቀጥታ ካብ ኤርትራ ናብ ናይሮቢ ብናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ዝኣቱ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቶም ኣብ ካብ ጁባ፣ ካምፓላን ናይሮብን ካልእ ከተማታትን እቲ ዞባ ዝንቐሳቐሱ ኤርትራውያን ኣውፋሮን ነጋዶን ከምኡ’ውን መራሕቲ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይንን’ውን ብዝበኣሰ ጸልይዎም ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0