ፕ.ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሕክምና ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዱ

ሓሚሙ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሕክምና ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኸደ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

    እቲ ማዕከን ዜና ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ፣ ኣልበሽር ሕክምናዊ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ዓብዱላሂ ቢን ዓብዱል ዓዚዝ ኣል ሳዑድ ክዘራረብ’ዩ።

    ን23 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ 68 ዓመት ዝዕድሚኡ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ካብ ዝሕእለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ካብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምኽዋሉ ሓሚሙ ክኽውን ይኽእል’ዩ ዝብል ወረ ኣብታ ሃገር ክናፈስ ቀንዩ’ዩ።

    ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ኣማድ ሰይድ ኣሕመድ ግን እቲ ፕረዚደንት ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣሎ ንዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ብምጥቃስ ኣልበሽር ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ከምዘሎ’ዩ ሓቢሩ።

    እንተኾነ እቲ ኣፈኛ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ቐጠር ናይ ጎሮሮ መጥባሕቲ ከምዘካየደ ብወግዒ ተኣሚኑ’ዩ።
    ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ ሱዳን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፣ ኣንጻር እስራኤል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ንዝነበሩ ኣሽሓት ደገፍቲ መንግስቲ፣ ኣልበሽር መደረ ከስምዕ ትጽቢት እኳ እንተነበሮም፣ ኣብ ክንድኡ ግና ምክትሉ መደረ ምስምዑ፣ እቲ ፕረዚደንት ጥዕናዊ ጸገም ክህልዎ ከምዝኽእል’ዩ ወረ ዝናፈስ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0