ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ዝመርሖ ጉጅለ፣ ብዛዕባ ዓቃብ ሰላም እማመታት ከቕርብ ብዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ተመዚዙ

Radio Erena: 17 February 2017

Tamrat

ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ተኣምራት ሳሙኤል ዝመርሖ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ውድብን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝጻወቶ ዘሎ ተራን መጽናዕቲ ብምክያድ እማመታት ከቕርብ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረስ ከምዝተመዘዘ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ዝተሓበረ፣ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፣ ንፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ ዣን ፕየኽ ላክርዋ፣ ሓላፊ ናይቲ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓቃብ ሰላም ንክኸውን ኣብ ዝመዘዘሉ ዕለት’ዩ።

ብኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል እትምራሕ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፣ መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ ሰነ 2017 እማመታት ክሳብ እተቕርብ፣ እቲ ፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ሓላፊ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፣ ብ14 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ‘ቲ ውድብ ኣመሪካዊ ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ዝነበሮ መዝነት ክቕጽል ክድግፎ እንከሎ፣ ነቲ ኣውራ ዘዘራረብ ዘሎን ለውጢ ከምዘድልዮ ዝንገረሉን ኣካል ናይቲ ውድብ ዝኾነ ዓቃብ ሰላም ግና ብሓድሽ ፈረንሳዊ ፖለቲከኛ ተኪእዎ ኣሎ።

ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣድማዒ ስራሕ ኣይሰርሐን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣንጻሩ’ውን ሓያሎ ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዘድሊ መጽናዕቲ ተኻይድሉ፣ ምቅይያራት ንምግባር እማመታት ንኸቕርብ ከኣ ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም መራሒ መዚዝዎ።

ምኩር ኤርትራዊ ፖለቲከኛን ዲፕሎማሰኛን ተኣምራት ሳሙኤል፣ ካብ 2005 ክሳብ 2007ኣብ ኔፓል፣ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ከኣ ኣብ ላይበርያ፣ ክልተ እዋን ከም ምክትል ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምግልጋሉ፣ ብዝተፈላለየ ላዕለዋይ ደረጃ ጽፍሒ’ውን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሐ’ዩ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0