ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ትማሊ ዓርቢ 6 ግንቦት ኣብ ዝጀመረ፡ መበል 105 ጂሮ ዲ’ኢጣልያ፡ ካልኣይ ብምውጻእ ዓቢ ቅያ ሰሪሑ

Radio Erena: 07 May 2022

ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም፡ Intermarché – Wanty – Gobert Matériaux፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ትማሊ ዓርቢ 6 ግንቦት 2022 መጋረጅኡ ኣብ ዝቐንጠጠ፡ መበል 105 ጂሮ ዲ’ኢጣልያ፡ ካልኣይ ብምውጻእ ዓቢ ቅያ ሰሪሑ።

ኣብ’ዚ 195 ኪሎ ሜትር ሸፊኑ ብኣዝዩ ሓያል ሽዃ ዝተዛዘመ ውድድር፡ ኔዘርላንዳዊ ማቲው ፋን ዴር ፖውል ቀዲሙ ሕንጻጽ ክረግጽ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ቢንያም ድማ፡ ስዒብዎ እግሩ እግሩ ኣትዩ።

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ቢንያም፡ ንብሉጽ መንእሰይ ንእትወሃብ ጻዕዳ ማልያ ክለብሳ ከሎ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ውድድር ግዜ ከኣ፡ ሮዛ ማልያ ብዝተኸድነ ፋን ዴር ፖውል ብ4 ካልኢታት ተበሊጹ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዑ::

ቢንያም ብድሕሪ እቲ ኣብ 2015 ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ማልያ ንጉስ ዓቐብ ዝለበሰ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት: ንሓንቲ ካብ ማልያታት ግራንድ ቱር ኣብ ዝባኑ ከስፍር ዝበቕዐ ካልኣይ ኤርትራዊ እዩ::

ብዘይካ’ዚ በዚ ሎሚ ዝረኸቦ ተርታ: ምስ’ቲ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ግራንድ ቱር ቮልታ ስጳኛ ዝለዓለ ደረጃ ሒዙ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ክመዓራረ ክኢሉ::

ካልኣይ መድረኽ ጂሮ ዲ’ኢጣልያ ቀዳም ብዝቕጽል 9.2 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ዉልቃዊ ውድድር ክሮኖ ሜትር ይቕጽል::

COMMENTS

WORDPRESS: 0