መንግስቲ ሶማል፤ ካብ IMF ዝረኽቦ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ብሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ሓቲቱ

Radio Erena: 08 May 2022

መንግስቲ ሶማል፤ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝረኽቦ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ብሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ሓቲቱ።

ፕረዚደንታዊን ባይቶኣዊን ምርጫ ሶማል፤ በብእዋኑ ክናዋሕ ምጽንሑ ዘቖጠዖም ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ትካላት፤ እቲ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን እንተዘይተኻዪዱ፤ ምስቲ መንግስቲ ዝተኻየደ ውዕላት ክስረዝ ምዃኑ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም።

ሓደ ካብ’ዞም ኣህጉራውያን ትካላት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፤ መንግስቲ ሶማል ንዝሓተቶ ምንዋሕ ግዜ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን እንተተኻዪዱ፤ ጸብጻባት ናይቲ ሓገዝ ምስቲ ዝቐውም ሓድሽ መንግስቲ ስለዝኸውን፤ ምትሕልላኻት ክፈጥር ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ወኪል’ቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ሶማል ሎውራ ኣርማነሎ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተኻየደሉ ጽባሕ፤ ምስቲ ዝቐውም ሓድሽ መንግስቲ ዝርርብ ክቕጽል ምዃኑ ኣሚታ።

እቲ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝገብሮ ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፤ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ግንቦት ክውድእ እዩ መደብ ተታሒዙሉ ኔሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0