ዩጋንዳ፣ ክብሪ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ዘንቀሎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 06 May 2022

ኣብ ዩጋንዳ፣ ንክብሪ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ተመሃሮ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ዘለዎም ስምዕታ ብጽሑፍ ብምድላው ንኣባላት ባይቶ’ታ ሃገር ክህቡ ፈቲኖም ምስላጥ ምስ ኣበዮም፣ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ባይቶ፣ ተቓውሞኦም ከስምዑ ከምዝተኣከቡ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርን፣ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ወራር ሩስያን ተደሚሩ፣ ኣብ ዩጋንዳ ዋሕዲ ቀረብ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ኣጋጢሙ ምህላዉ፣ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ንሓድሕዶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም እኳ እንተነበሩ፣ ፖሊስ ከተማ ፓምፓላ፣ ንኩላቶም ጠርኒፉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ጸብጻባት ዜና ኣመልኪቱ።

‘እቶም ዝኣስሩ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ንርእሶም፣ ብክብሪ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ይሳቐዩ እንዳሃለዉ፣ ንመሰላቶም ዝጣበቑሎም ዝነበሩ ተመሃሮ ክኣስሩ ኣይነበሮምን’ ክብሉ ርእይቶታቶም ዝሃቡ ተዓዘብቲ፣ እቶም ተመሃሮ መሰሎም ካብ ዘፍቀደሎም ንላዕሊ ወላሓንቲ ከምዘይገበሩ መስኪሮም።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ንክብሪ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ብዝምልከት ተሓቲቱ፣ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ‘ህዝቢ ዋጋ ባኒ ከቢሩኒ ኢሉ ካብ ዘማርር፣ ካሳቫ ዘይበልዕ’ ኢሉ ብብደዐ ምምላሱ፣ ካብ ሓያሎ ዩጋንዳውያን ነቐፌታ ክወርዶ ጸኒሑ’ዩ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0