ኤርትራዊ-ሽወደናዊ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንኽጽንበር ጻውዒት ቀሪብሉ

Radio Erena: 13 December 2016

Isak

ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ሽወደናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንኽጽንበር ጻውዒት ከምዝቐረበሉ መርበባት ሓበሬታ ስፖርት ኣቃሊሐን።

እቲ ”ናይ መጻኢ ዝላታን ኢብራሂሞቪች” ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ተጻዋታይ ክለብ AIK ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንኽጽንበር፣ ኣሰልጣኒ ያኔ ኣንደርሰን ጻውዒት ዘቕረበሉ፣ ሽወደን ምስ ኣይቮሪኮስትን ስሎቫክያን ናይ ምሕዝነት ግጥም ምድላዋት ኣብ እታካይደሉ ዘላ እዋን’ዩ።

እዚ ገና 18 ዓመት ዘይመልአ ኤርትራዊ ሽወደናዊ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ተጸንቢሩ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ናይ ምሕዝነት ግጥማት እንተተሰሊፉ፣ ኣብ ሽወደን ዝነኣሰ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ብምዃን፡ ን97 ዓመታት ብሓደ ተጻዋታይ ተመዝጊቡ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ክሰብሮ እዩ።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን 17 ዓመትን 83 መዓልታትን ዝዕድሚኡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ድሕሪ 26 መዓልታት ኣብ ዝካየድ ግጥም፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ክስለፍ እንተኽኢሉ፣ ነቲ ኣብ 29 ግንቦት 1919፣ ኣብ መበል 17 ዓመቱን 334 መዓልታቱን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዝተጸንበረ ዮናስ ሩዶልፍ ኤሪክሰን ብሒትዎ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን ክምንጥሎ’ዩ።

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንኽጽንበር ቀሪብሉ ዘሎ ጻውዒት፣ ብከም በዓል ማንቸስተር ሲቲ፣ ሪያል ማድሪድን ፓሪስ ሳን ጃርማን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ዓለምና’ውን ክጽንብርኦ ይደልያ ምህላወን’ዩ ዝግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0