ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ንምዝርራብ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 13 December 2016

Tom Mal

ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘለዋ ነቐፌታን ትዕዝብትን ንምግላጽ ላዕለዋይ ወኪላ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትልእኽ ምዃና ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኣመሪካ ቶም ማሊዋንስኪ ዝምራሕ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ዑደት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝተጎሃሃረ ናዕብን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛን ክዝቲ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ልኡኽ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ቀይድዎም ዝርከብ ኣማኢት ዜጋታት እታ ሃገርን ዘለውዎ ኩነታትን ክዘራረብ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ከኣ ከምዝተቐየዱ መንግስቲ ብወግዒ ይእመን።

ኣመሪካ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ መጠንቀቕታ’ውን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ስለዘይሃድአ ዜጋታት ናብታ ሃገር ከይገሹ ኣተሓሳሲባ’ያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ናይ ኣመሪካ መጠንቀቕታ ንህሉው ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘይገምገመ’ዩ ክብል ነጺግዎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ 3 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ነቲ ንምንቅስቓስ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ዝድርት ክፋል እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ድሕሪ ሓደ ወርሒን ፈረቓን ከምዘልዓሎ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0