10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ

Radio Erena: 13 December 2016

Human Rights

10ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ።

ድሕሪ ምእዋጅ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 1948 ዓመታዊ ዝዝክር ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ኣህጉራዊ ቆላሕታ ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ።

ሎሚ ዓመት ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ምግሃስ ውልቃዊ እምነት፣ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ካልእን ዝኣመሰለ መሰረታውያን መሰላት’ዩ ተተኵሩሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላት እቲ ውድብ ምጽራይ ይካየደሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ነዚ ከተጻርን ከተጽንዕን ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ፣ ብክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቐርቡ ዝብል እማመ ምቕራባ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ጉዳይ ናብቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቡ፣ ዝያዳ መጽናዕትን መርመራን ክካየደሉን፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ንምፍትሑ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ምኽርን ለበዋታትን ንኽቐርብ’ዩ ተወሲኑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ እምነቶምን ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያን ኣማኢት ዜጋታቱ ሃለዋቶም ከምዝጠፍእ ምግባሩ ኣብቲ መርማሪት ኮሚሽን ዘቕረበቶ ሰነድ ብመርትዖታት ተሰንዩ ቀሪቡ ይርከብ።

እቲ መንግስቲ ግኑን ስም ንዘለዎም ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ዝቕይዶም ኣስታት 15 ዓመታት ኣቝጺሩ፣ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ሓንጊዱ ይርከብ።

 

ስእሊ፣- ኣርካይቭ ኢንተርነት

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0