ኤርትራዊ መትከል እዮብ፡ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ

Radio Erena: 23 February 2023

ተቐዳዳማይ ማሌዥያዊት ኮንቲነንታል ክለብ Terengganu Polygon፡ ኤርትራዊ መትከል እዮብ፡ ሎሚ ሓሙስ 23የካቲት 2023፡ ብዓወት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቓ ኦርሚስተን ካሉም፡ ኣብ ዝተፈጸመ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ’ዚ ካብ ሩሲዚ ናብ ሩባቩ 195.5 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ርሕቐት ዝሸፈነን 5 ሰዓታት ዝወሰደን ብዝናብ ዝተሰነየ ኣሸጋሪ ጉዕዞ፡ ኦርምስተን ንመቐዳድምቱ ብ6 ካልኢታት በሊጹ ኣብ መዛዘሚ ክበጽሕ ከሎ፡ ንዕኡ ስዒባ ካብ ዝመጸት 14 ሰባት ዝሓቖፈት ጉጅለ ድማ፡ መትከል እዮብ ካልኣይ ንዝወጸ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ኮንቲነንታል ክለብ Q36.5 ዋልተር ካልዞኒ ጥራይ ተኸቲሉ ብምእታው ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ብድሕሪ’ዚ ሎሚ ዝተሰላሰለ መድረኽ፡ ብጫ ማልያ ካብ ቑጽጽር ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ፕሮኮንቲነንታል ክለብ TotalEnergies ቶማስ ቦነት ወጽያ፡ ናብ ኢድ በልጅዩማዊ ተቐዳዳማይ ኮንቲነንታል ክለብ Soudal – Quick-Step Devo ዊልያም ጁንየር ሌሰርፍ ክትኣቱ ከላ፡ ትማሊ ታሽዓይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ መትከል እዮብ ድማ፡ ብ11 ካልኢታት ጥራይ ተበሊጹ፡ ናብ 6ይ ተርታ ደይቡ።

ብ13 ካልኢታት ተፈንቲቱ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም Green Project-Bardiani CSF-Faizanè ሄኖክ ሙሉብርሃን’ውን 10ይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ሎሚ ብ19 ካልኢታት ዶንግዩ ቅድድሙ ብምውዳእ መበል 16 ደረጃ ዝሓዘ ሄኖክ፡ ካብ ካልኣይ መድረኽ ኣትሒዙ ለቢስዋ ክጻወት ንዝቐነየ ማልያ “ብሉጽ ኣፍሪቓዊ ተቐዳዳማይ”፡ ንወዲ ሃገሩ መትከል ንኸርክቦ ክግደድ እዩ። ተቐዳደምቲ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ሻዱሻይ መድረኽ፡ ካብ ከተማ ሩባቩ ናብ ጂኩምቢ 157 ኪሎ ሜትር ክጓዓዙ እዮም።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0