ብርጣንያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕቶ ዑቕባ ከቕርቡ ፈቒዳ

Radio Erena: 24 February 2023

ብርጣንያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሓሙሽተ ሃገራት ናይ ዑቕባ ሕቶኦም፣ ብመሰረት ዝተዳለወ መሕተቲ ቅጥዒ ከቕርቡ ፈቒዳ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰጋገሩ ኣብ ውሳነ ምብጽሓ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ ጥሪ 2022 ንንየው ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ከየቕርቡ ተኸልኪሎም እዮም ጸኒሖም።

እንተኾነ እታ ሃገር፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝያዳ ተቐባልነት ኣለዎ ዝበለቶም 12 ሽሕ ዜጋታት ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ማለት ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሊብያ፡ ሶርያን የመንን ብመንገዲ ዝተዳለወ 40 ሕቶታት ዝሓዘ ናይ 10 ገጻት ቅጥዒ፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ከቕርቡ ፈቒዳ’ላ።

በዚ መንገዲ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዘቕርቡ ስደተኛታት፡ ዘይከም ቅድሚ ሕጂ ቃለ መሕትት ካብ ምግባር ክገላገሉ ምዃኖም’ኳ እንተተገልጸ፡ ንተወሳኺ ቃለ መሕትት ክጽውዑ ከም ዝኽእሉ እውን፡ እቲ ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብርጣንያ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ መሕተቲ ቅጥዒ ክሳብ 40 ሕቶታት ዝሓዘ ኮይኑ፡ብእንግልዘኛ ተመሊኡ ኣብ ውሽጢ 20 ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ ዝምልከቶ ብዓል መዚ ክለኣኽ ከም ዘለዎ ይሕበር።

ብሰንኪ ብርጣንያ ኣንጻር ስደተኛታት ዘተኣታተወቶ ተሪር ኣዋጃት፡ ብዓል መዚ ስደተኛታት ናይታ ሃገር ብብዝሒ መልሲ ዘይተዋህቦም ናይ ዑቕባ ሕቶታት የዕለቕሊቑ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስጉምቲ ነቲ ዝጸንሐ ምዕጋት ከፋኹሶ ትጽቢት ይግበር።

ካብ ኤውሮጳ ብፈረንሳን ቤልጅምን ኣቢሎም ብመንገዲ መትረብ እንግሊዝን ማእከላይ ባሕርን ናብ ዓባይ ብርጣንያ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ ነታ ሃገርን ጎረባብታን ከሳሓሕቡን ግዳይ ዝተፈላለዩ ኣሰቀቕቲ ሓደጋታት ክኾኑን ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ወጽዩ ዘሎ ሕጊ፡ ነዚ ሓደገኛ መንገዲ ሓሊፎም ኣብ ብርጣንያ ጉዳዮም ኣቓልቦ ስኢኑ ዝጸንሐ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍታሕ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር።

እንተኾነ ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ሕቶ ዑቕባ ንምምላስ ተዋሂቡ ዘሎ ናይ 20 መዓልታት መቓን ግዜ፡ ስደተኛታት ዘለዎም ናይ ቋንቋ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው እኹል ከም ዘይኮነ ይዛረቡ።

ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና፡ ስእነት ናጽነትን ጭቆናን፡ ኤርትራውያን ብብዝሒ ከም ዝስደዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረበዳ ሲናይ፡ መትረብ እንግሊዝን ዶባት ሜክሲኮን ዝኣመሰሉ ሓደገኛታት መስመራት ብምጥቃም ናብ ውሕስነት ዘለወን ሃገራት ንምኻድ፡ ዘይተኣደነ ናይ ንዋትን ህይወትን ክሳራታት ከጋጥም ምጽንሑ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0