ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ናሆም ኣብርሃም ሽልማት በርሊናለ ነፍቲ (Berlinale NEFTI) ዓቲሩ

Radio Erena: 23 February 2023

ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ናሆም ኣብርሃም Home ብዝተሰምየት ፊልሙ ተዓዋቲ ሽልማት በርሊናለ ናፍቲ 2023 ኮይኑ።

ስነ ጥበባዊ ናሆም ኣብታ ባዕሉ ከም ደራሲ፡ ኣላይን ኣፍራይን ብምዃን ዝተሳተፈላ ፊልም፡ ዝበለጸት ሓጻር ፊልም ብምዃን ናይ 5000 ዶላር ሽልማት እዩ ረኺቡ።

እታ ፊልም ኣብ ዙርያ ፍቕርን ናፍቖትን ዘተኮረት ኮይና፡ ስነ ጥበባውያን ልዋም ቴድሮስን ተመስገን ግደን ልዑል ናይ ምውሳእ ብቕዓት ዘርኣይሉ፡ ናይ 4 ደቒቕን 20 ካልኢትን ንውሓት ዘለዋ ስነ ጥበባዊት ስራሕ እያ።

ብ NEFTI ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ኣፍራዩ ቮድካ ትካል ተመዊሉ፡ ምስ በርሊናለ ኤውሮፕያን ፊልም ማርኬት ብምትሕብባር ዝካየድ እዚ ውድድር፡ ኣብ ምምዕባል ናይ ዝርከባ ሃገራት ስነ ጥበባውያን ተውህብኦምን ዕዳግኦምን ንኸስፍሑ ተባሂሉ ዝውደብ ውድድር እዩ።

ብኤርትራውያን ዝፈርዩ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ኣብ ዝተፈላለየ ዓለምለኻዊ መድረኻት ክዕወቱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ብመብራህቱ ግርማይ፡ኤፍሬም ካሕሳይን፡ ካልኦትን ዝፈራያ ፊልምታት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ምዕዋተን ይፍለጥ።

ከቢድ መንግስታዊ ጽጽያ፡ ቁጠባዊ ማሕልኻታትን ካልእ ብድሆታትን ኣብ ዝገጥሞ መፍረ ፊልም ኤርትራ፡ ስነ ጥበበኛታት ንብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሮም፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ክዕወቱ ምኽኣሎም፡ ንብሉጽነቶምን መሃዝነቶምን ዘጉልሕ፡ ምቹእ ዕድል ምስ ዝረኽቡ ብሉጽን ተወዳዳርን ፍርያት ክዓሙ ከም ዝኽእሉ ዘርእን ምዃኑ፡ ኣፍቀርቲ ፊልም ይገልጹ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0