ኤርትራዊት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ፡ ኣብ ልምምድ እንከላ ብዘጓነፋ ሓደጋ መኪና ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

Radio Erena: 09 November 2021

ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ፡ ትማሊ ሰኑይ 8 ሕዳር 2021 ብዘጓነፋ ሓደጋ መኪና ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

ብ10 ጥቅምቲ 2000 ዓመተ ምሕረት ዝተወልደት ጓል 21 ዓመት ደሴት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣህጉር ኣፍሪቃን ዝተፈላለየ ዓበይቲ ዓወት ክትሓፍስ ብምኽኣላ፡ ካብ 2019 ዓመተ ምህረት ጀሚራ፡ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ብዝተኸፍተላ ዕድል፡ ኣብ ኢግል ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ስልጠና እናወሰደት፡ ፕሮፌሽናላዊ ውድድራት ከተካይድ ጸኒሓ።

ንፈለማ እዋን ኣብ 2018 ዓመት ምሕረት ካብ ሃገራ ወጺኣ ኣህጉራዊ ቅድድም ዘካየደት ደሴት፡ ኣብ ኪጋሊ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጁንየር ደቂኣንስትዮ ቅድድም፡ ኣብ ውድድር ጽርግያን ክሮኖሜትርን ቀዳመይቲ ወጺኣ ተውለ ወርቂ ሜዳልያታት ብምንጥልጣል፡ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይና።

ብዘይካ’ዚ ደሴት ኣብ 2019 ዓመተ ምሕረት ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገብረ ውድድር’ውን፡ ኣብ ናይ ጽርግያ ቅድድም፡ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ትሕቲ 23 ዓመት ኮይና ወርቂ ሜዳልያ ክትወስድ ከላ፡ ኣብ ናይ ግዜ ቅድድም ከኣ፡ ካብ ልሙዳት ሳልሳይ ተርታ ብምውጻእ ተሻላሚት ነሓስ ሜዳልያ ንምዃን በቒዓ።

ኣብ’ዚ ናይ ባህርዳር ቅድድም፡ ደሴት ብተወሳኺ፡ ምስ ብጾታ ሞሳና ደበሳይ፡ ዝናብ ፍጹምን ትዕግስቲ ገብርሂወት ብሓባር ብምዃን፡ ኣብ ውድድር ክሮኖሜትር፡ ብደረጃ ሃገር ንኤርትራ ብሩር ሜዳልያ ሸሊመንኣ።

ኣብ’ዚ እዋን ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣብ ኤውሮጳ ውድድር ብሽክለታ ደው ኢሉ ብምህላዉ፡ ስድራ ንኽትርኢ ናብ ሃገራ ዘምረሐት ደሴት፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ መስመር ዓዲ ጓዕዳድ ሕምብርቲ ልምምድ እናካየደት ከላ እያ፡ እቲ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዋ።

ሬድዮ ኤረና ብሞት ውልዶ ትስፍውቲ ተቐዳዳሚት ደሴት ኪዳነ ንስድራ ቤታን ደገፍታን ጽንዓት ትምነ!!

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0