መንግስቲ ኩዌት ብፍቓዱ ስልጣኑ ክሓድግ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 09 November 2021

ብቀዳማይ ሚኒስተር ሸኽ ሰባሕ ኣል ካልድ ኣል ሳባሕ ዝምራሕ መንግስቲ ኩዌት፣ ብፍቓዱ ስልጣኑ ክሓገድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ስልጣኑ ንምሕዳግ፣ ብሰኑይ 8 ሕዳር፣ ናብ ኣሚር ኩዌት፣ ሸኽ ናውፍ ኣል ኣሕመድ ኣል ሳባሕ ወግዓዊ ደብዳቤ ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ኣሚር ኩዌት፣ ንውሳኔ እቲ መንግስቲ ክቕበል ድዩ ኣይፋሉን ዛጊት ኣየፍለጠን።

መንግስቲ ኩዌት፣ ስልጣኑ ንምሕዳግ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ተቓወምቲ ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር፣ ብኣተኣላልያ ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ብልሽውናን ክሲታት ስለዘቕረብሉ’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ክሳብ መወዳእታ 2022 ዝጸንሕ፣ ከምዘይክሰስ ውሕስነት ዝህብ ሕጋዊ መብጽዓ እኳ እንተተኣትወሉ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ባይቶ ፍሕፍሐ ስለዝፈጠረ ስልጣኑ ንምሕዳግ ከም ቀዳማይ ምርጫ ኣቕርቢዎ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ ንኻልኣይ እዋኑ ስልጣን ንምሕዳግ ዝውስን ዘሎ መንግስቲ ኩዌት፣ ኣቐዲሙ ዘቕረቦ ደብዳቤ፣ ዝልዓለ ስልጣን ሃገር ብዝውንን ኣሚር ኣል ሳሓብ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0