ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ መተከል ብዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ሓይሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 08 November 2021

ዕጡቓት ጉሙዝ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ዝርከብ ዞባ መተከል ብዘካየድዎ መጥቃዕታት ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ዘ ሪፖርተር ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሳልስቲ ዝቐጸለ ግጭት፣ ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ኣርባዕተ ድማ ከምዝተጨውዩን ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ምንጪ፣ ኣብ 28 ጥቅምቲ፣ ኣብ ክልተ መካይን ዝተጻዕኑ ሰባት፣ ካብ ግልገል በለስ ናብ ቻጊኒ ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን፣ ካር ኣብ ዝተባህለ መፈተሺ ኬላ ክበጽሑ ኣስታት 200 ሜትሮ ምስ ተረፎም፣ ብዝተኸፍተ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም።

ድሕሪ ሳልስቲ ድማ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዞባ መተከል ብዝተኻየደ ተኸታተሊ መጥቃዕታት፣ ሞተን መቑሰልትን ሓያሎ ሰባት ኣስዒቡ።

እቲ መጥቃዕታት ዝተኻየደ፣ ጉዕዞ ብዓጀብቲ ክስነ ኣብ ዝነበሮ ከባቢታት፣ ብዘይሓለዋ ዝነሳቐሱ ሰባት ከምዘለዉ ዕጡቓት ጉሙዝ ስለዝፈለጡ ምዃኖም ንሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ዞባ፣ ኣብየት ኣልቦሮ ብምጥቃስ ሪፖርተር ኣገንዚቡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ሓይልታት ትግራይ ብዙሕ ቦታታት ተቖጻጺሮም ዝብል ሓበሬታ ምስ ሰምዐ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝተደፋፍአ እቲ ሓላፊ ጸጥታ ብተወሳኺ ኣስሚርሉ።

ይኹን’ምበር ብዝሒ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባትን መንነትን ኣየነጸረን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ተደጋጋሚ እዋን ምፍራስ ጸጥታ ከጋጥም ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኵናት ትግራይ ጽልዋታቱ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ሓሊፉ ናብ ኦሮምያን ከባቢታት ኣዲስ ኣበባን በጺሑ ስለዘሎ፣ እታ ሃገር ኣብ ዝበኣሰ ጸጥታዊ ስግኣት ትርከብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0