ኤርትራዊት ኣትሌት ናጽነት ኣማኑኤል፣ ብሰንኪ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ካብ ውድድራት ምእጋዳ ተሓቢሩ

Radio Erena: 18 January 2023

ኣሃዱ ቅንዕና ኣትለቲክስ፡ ንኤርትራዊት ኣትሌት ናጽናት ኣማኑኤል፡ ንግዚኡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቅድድም ንኸይትወዳደር ከም ዝኣገዳ፡ ብ13 ጥሪ፣ ኣብ ናይ ትዊተር ማህደሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ኣሃዱ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊርዎ ዘሎ ጽሑፍ፡ ናጽነት ብህላወ ወይ ከኣ ተጠቓምነት “ቴስቶስትሮን” ዝተባህለ፡ ብሕጊ ኣትለቲክስ ዝተኸልከለ ንጥረ ነገር እያ ተኸሲሳ።

ንዓንቀጽ 2.1ን 2.2ን ሕጋጋት ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ከም ዝጠሓሰት ዝተኸሰሰት ጓል 29 ዓመት ናጽነት፡ እዚ ስጉምቲ፡ ንውጽኢት ናይ’ቲ ብ9 ታሕሳስ ዘካየደቶ መርመራ ስዒቡ እዩ ተወሲዱላ።

እቲ ኣሃዱ፣ ንናጽነት ካብ ዝኾነ ውድድራት ከምዝተኣገደት ዝገልጽ ሓበሬታ፣ ብ13 ጥሪ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ናጽነት ግና ንጽባሒቱ፣ 14 ጥሪ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ሃገር ዘቛርጽ ቅድድም ወይ ክሮስ ካንትሪ ምስታፋ ምስ ስፖርት ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ተኸሲሳቱ ኣብ ዘላ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ውሳነ ትጽበ ዘላ ኣትሌት ናጽነት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም 4ይ ደረጃ ምሓዛ ይዝከር።

ናጽነት ኣብ 2020፡ ዘውዲ ሃገራዊ ሻምፕዮን ጉያ 10 ሽሕ ሜትር ደፊኣ ኔራ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0