ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይቲ ንሕክምና ዝገብርኦ ወጻኢታት ብሓገዝ ከምዝሽፈን ተገሊጹ

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይቲ ንሕክምና ዝገብርኦ ወጻኢታት ብሓገዝ ከምዝሽፈን ተገሊጹ

Radio Erena: 07 November 2014

Heal

ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ሕክምና ዝገብርኦ ወጻኢታት ካብ ለገስትን መሻርኽትን ብዝርከብ ሓገዝ ዝሽፈን ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ 46 ሃገራት ኣፍሪቃ ንልዕሊ 300 ሰብ ሞያ ሕክምና ቃለ መጠይቕ ብምክያድ ኣብ ዝተኣከበ 100 መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፣ ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ካብቲ ንሕክምና ዝገብርኦ ወጻኢታት እቲ ልዕሊ ሓምሳ ሚእታዊ ካብ ለገስቲ ወይ ከኣ መሻርኽቲ ብዝረኽብኦ ሓገዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ካብቲ ዝልገስ ሓገዝ 40 ሚእታዊት ኣብ ምክልኻል ሕማም ኤይድስ፣ 20 ሚእታዊት ኣብ ምክልኻል ሕማም ዓሶ፣ ካልእ ሕማማትን ዘተኮረ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

 

እተን ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይቲ ንሕክምና ዝገብርኦ ወጻኢታት ካብ ለገስትን መሻርኽትን ብዝረኽብኦ ሓገዝ ዝሽፈነለን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣፣ ጋምብያ፣ ሊበርያ፣ ማላውን ሞዛምቢክን’የን።

እዘን ሃገራት ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ሚልዮንዮም፣ ብፍላይ ኣብ ሕክምና ዓቢ ዓወታት የመዝግባ ከምዘለዋ ዝገልጻ እኳ እንተኾና፣ ዝበዝሐ ወጻኢታቱ ብሓገዝ ዝሽፈን ብምዃኑ ግና፣ ውሕስነቱ ኣሻቓሊ ከምዝገብሮ’ውን እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ኬፕታውን ብዝመደበሩ ሳይንስ ደቨለፕመንት ዝቐረበ መጽናዕቲ ጠቒሱ።

እተን ንሕክምና ኣብ ዝግብርኦ ወጻኢታት፣ ካብ ለገስትን መሻርኽትን ትሕቲ 10 ሚእታዊት ጥራይ ሓገዝ ዝረኽባ ሃገራት ኣንጎላ፣ ቦትስዋና፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሸልስ፣ ሞሪሸስን ናይጀርያን’የን።

ኤርትራ ኣብ ምንካይ መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ወሊድ ከምኡ ድማ ኣብ ምንካይ ሕማማት ዓሶን ኤቪኣይቪ ኤድስን ርኡይ ለውጢ ከምዘምጽአት ዝጥቐስ እኳ እንተኾነ፣ ብመሰረት እዚ ቀረቢ ዘሎ ሓድሽ መጽናዕቲ ግና ዝበዝሐ ወጻኢታቱ ብለገስትን መሻርኽትን ዝሽፈን ዘሎ’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0