ኤርትራን ናሚብያን፣ መጻረዩ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2022፣ ጽባሕ ኣብ ኣስመራ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 03 September 2019

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ መጻረዩ ናይቲ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም፣ ጽባሕ 4 መስከረም ምስ ናሚብያ ፈላሚ ግጥም ከተካይድ’ያ።

ክልተ ፕሮፌሽናል ኣባላታ ሓዲጋ ናብ ኣስመራ ኣምሪሓ ዘላ ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ናሚብያ፣ ካብታ ካብ ሽወደን ሓደ ፕሮፌሽናል እትጽንበር ዘላ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ከቢድ ብድሆ ክገጥማ ትጽቢት ኣሎ።

ፊፋ፣ ኣብ ኵዑሶ እግሪ ዝተሓተ ብቕዓት ዘለወን 28 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣቐዲመ ክጋጠማ ብዝሰርዖ መደብ መሰረት’ዩ፣ ክልቲኤን ሃገራት ቀዳማይ እግሪ ግጥመን ኣብ ኣስመራ ካከይዳ።

ካልኣይ እግሪ ግጥም ድማ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ናሚብያ፣ ርእሰ ከተማ ዊንዶሆክ ክካየድ’ዩ።

ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝተሓተ ብቕዓት ዘለወን 28 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቅድሚ’ቲ ወግዓዊ ናይ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ምጅማሩ፣ ሓድሕደን ክፈታተና’ዩ ፊፋ ነቲ መደብ ሰሪዕዎ።

ኣብዚ ናይ መጻረዩ ግጥማት ዝሓለፋ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ ምስተን ድሮ ምድበን ዝጽበያ ዘለዋ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሓባር ኣብ 10 ጉጅለታት ተደላዲለን፣ ናብ ቀጠር ዘጓዕዘን ወግዓዊ ግጥማት ክጽበየን’ዩ።

ወግዓዊ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ መጋቢት 2020’ዩ ክጅምር።

ኤርትራ፣ ብብቕዓት ኵዕሶ እግሪ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ 55 ሃገራት ኣብ መበል 54 ክትስራዕ እንከላ፣ ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 202 ትርከብ።

ናሚብያ ብወገና ኣብ ኣፍሪቃ መበል 30፣ ኣብ ዓለም ድማ መበል 121 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0