ሶማል፣ ናብ ኪስማዮ ዝካየድ ቀጥታዊ በረራታት ደው ክብል ኣዚዛ

Radio Erena: 04 September 2019

መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ኬንያ፣ ናብታ ርእሰ ከተማ ጁባላንድ ኮይና ዘላ ኪስማዮ ዝካየድ ቀጥታዊ በረራታት ደው ክብል ኣዚዙ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ፣ ኬንያ ነቲ ካብ ሶማል ተፈልዩ ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ፕረዚደንት ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ ትድግፍ ስለዘላ’ዩ።

ኬንያ፣ ካብ ሞቛድሾ ዝካየድ ቀጥታዊ በረራታት ደው ኣቢላ ክነሳ፣ ናብ ኪስማዮ፣ ቀጥታዊ በረራታት ከተካይድ ከምዘይትኽእል’ዩ መንግስቲ ሶማል ዝገልጽ።

ናብ ሶማል ዝካየድ ቀጥታዊ በረራታት ብሞቛድሾ ክኸውን ከምዘለዎ ዝገለጸ እቲ መንግስቲ፣ ጁባላንድ’ውን ኣካል ሶማል ስለዝኾነት፣ ናብ ርእሰ ከተማኣ ቀጥታዊ በረራታት ክህሉ የብሉን’ዩ ዝብል ዘሎ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ እታ ካብ 2013 ኣትሒዛ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ መስሪታ ዘላ ጁባላንድ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየደቶ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ክኹንኖ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኬንያ፣ ነታ ካብ ሶማል ተፈልዩ ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ ዘቖመ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣሕመድ መሓመድ ማዶበ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ብጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ኬንያን ሶማልን፣ ናብ ጎንጺ ዝዕድም ሓድሕዳዊ ምትኹታኽ ይገብራ ከምዘለዋ’ዮም ተዓዘብቲ ዝጠቕሱ።

ብፍላይ መንግስቲ ኬንያ፣ ከም ምድጋፍን ኣፍልጦ ምሃብን ንርእሰ ምምሕዳራት ሶማል ዝኣመሰለ፣ ንሉኣላውት ሶማል ዝግህስ ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0