ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ባይቶ ኣብ ስቶክሆልም ቤት ጽሕፈት ከፊቱ

Radio Erena: 03 September 2019

ጽላል ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ዝኾነ፣ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ባይቶ ፈላሚ ቤት ጽሕፈቱ፣ ብቀዳም 31 ነሓሰ ኣብ ስቶኮልም ከፊቱ።

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፣ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፣ ንኣቶ ነጋሽ ዑስማን ካብ ሰውራዊ ባይቶ ከም ኣቦ መንበር ከምዝመረጾ ይዝከር።

እቲ ባይቶ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ቻርተር ብምምሕያሽን 122 ዝነበረ ብዝሒ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብፍርቂ ብምንካይን፣ ብሓድሽ ውዳበን፣ ዳግማይ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ጀሚሩ ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ምስ ህወሓት ብዝነበረን ምስሕሓባት፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዳኸማ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ምስ ምምጻእ ለውጢን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሓ ናብ ሃገራት ምዕራብ ይመለሳ ምህላወን ይፍለጥ።

ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ባይቶ ኣብ ስቶክሆልም ዝኸፈቶ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፈለማ’ዩ።

ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ብዝያዳ ድማ መንእሰያት፣ ብዘይ ኣፈላላይ ተጠቐምቲ እዚ ተኸፊቱ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ክኾኑ ድሌት ከምዘለዎ፣ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ባይቶ ንኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0