ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ሓቲቱ

ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ሓቲቱ

Radio Erena: 10 October 2017

abadula gemeda

ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣባዱላ ገመዳ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ከምዝሓተተ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ኣብ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ንሓያሎ ዓመታት ኣብቲ ጽፍሒ ከምዘገልገለ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ኣብ ስልጣን ከቐጽሎ ዘይክእል ኩነታት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ካብቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ብሰላም ከፋንዎ ብቀዳም 7 ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ሓቲቱ።

ንሱ፣ ነቲ ዘቕረቦ ጠለብ ፓርላማ ኢትዮጵያን ሰልፊ ኢህወደግን ምስ ዝቕበልዎ ጥራይ ፣ ካብ ስልጣን ክእለየሉ ዝወሰነ ምኽንያት ከምዘብርህ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 

ካብ 1991 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከገልግል ዝጸንሐ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝሓተተሉ ምኽንያት እኳ እንተዘየነጸረ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ እዚ ህሉው ኩነታት ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብዚ 26 ዓመታት፣ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስልጣኑ ብወለንትኡ ክሓድግ እዚ ናይ ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ውሳኔ ናይ መጀመርያ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣተኣላልያ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ፣ ኣፈታትሓ ግጭት ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ካልእ ጉዳያትን ከምቲ ዝግባእ ኣይሰርሓሉን ብምባል ሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ክነቕፉ ጸኒሖም’ዮም።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0