መራሕቲ ሱዳንን ሶማልን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ሶማልን ዘትዮም

መራሕቲ ሱዳንን ሶማልን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ሶማልን ዘትዮም

Radio Erena: 10 October 2017

albeshir and formajo

መራሕቲ ሱዳንን ሶማልን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ሶማልን ከምዝዘተዩ ካብ ካርቱም ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብ5 ጥቅምቲ ንፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፎርማጆ ኣብ ከተማ ካርቱም ድሕሪ ምቕባሉ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ሱዳን ኣብ ምርግጋእን ጸጥታን ሶማል ክትጻወቶ እትኽእል ኣበርክቶ ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፎርሞጆ ብወገኑ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ መዓልታት፣ ሱዳን ኣብ ሶማል ሰላም ንምስፋን ዘለዋ መርገጺ ብምምጓስ፣ ምስታ ሃገር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንዝጸንሐ “ብደም ዝተኣሳሰረ’ዩ” ዝበሎ ዝምድና ብዝያዳ ክሕይል ዘለዎ ድሌት ገሊጹ።

 

ፕረዚደንት ሶማል ናብ ሱዳን ዘምርሐ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ተራኺቡ ብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ መርገጺ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ስዑዲን ቀጠርን ብዝምልከት ድሕሪ ምዝርራብ’ዩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ካልኦት ላዕለዋይ ሰበ ስልጣን ዝተሰነየ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ሱዳን ክበጽሕ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እዚ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ብዛዕባ ጸጥታን ሰላምን ሃገሩን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ብዘይካ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ምስ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርክባት ኣካይዱ ኣሎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0