ንኤርትራ 12 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ንብረት ዝሸጠላ ኩባንያ ደሊዝያ፣ ሕሳበይ ኣይተኸፈልኩን ኢሉ ይኸስስ

ንኤርትራ 12 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ንብረት ዝሸጠላ ኩባንያ ደሊዝያ፣ ሕሳበይ ኣይተኸፈልኩን ኢሉ ይኸስስ

Radio Erena: 09 October 2017

Delizia Ltd

ኣብ 2003 መለዋወጢ ኣቑሑ ነፈርቲ ኵናት ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሸጠሉ ዝጠቐሰ ደሊዝያ ዝተባህለ ኩባንያ፣ እቲ መንግስቲ ዛጊት ዝተረፈ ሕሳቡ ከምዘይከፈሎ ከሲሱ።

ዝተፈላለዩ ምንጭታት ብዘቕርብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኩባንያ ገንዘብ ምኽፋል ስለዝኣበዮ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ “እቲ ገንዘብ ብኔቭሰን ይከፈለኒ” ብምባል፣ ክሲ መስሪቱ ክከራኸር’ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ውሳኔ፣ ኔቭሰን ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ዘይተኸፍለ ገንዘብ ክኸፍል ሓላፍነት የብሉን ብምብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ኩባንያ ደሊዝያ፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝነበሮ ናይ ገዛ ክራይ ዕዳ፣ ካብቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ዘይተኸፍለ ሕሳቡ ክኽፈል ንዘቕረቦ ክርክር ብቤት ፍርዲ ተቀባልነት ከምዘይረኸበ ይፍለጥ።

ወናኒ እቲ ብኩባንያ ደሊዝያ ተኻርዩ ዝነበረ ህንጻ ዝኾነ ቀዋሚ ወኪል ደሴታት ማርሻል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕሳቡ ካብቲ ብቀጥታ ዝተኻረየ ኩባንያ ደሊዝያ ድኣ’ምበር፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ክቕበል ከምዘይደሊ’ዩ ተኸራኺሩ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ናይ ዕድጊ ኩባንያ ደሊዝያ 12 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ንብረት ንሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ከምዝሸጠሉን፣ እንተኾነ እቲ መንግስቲ ዛጊት ሕሳቡ ከምዘይከፈለን’ዩ ካብ 2012 ኣትሒዙ ክኸስስ ዝተራእየ።

እቲ ኩባንያ ነቲ ክሲ ኣቐዲሙ ኣብ ሽወደን ናብ መጋብኣያ እኳ እንተምርሖ፣ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ክርከብ ከምዘክኣለ ሕጋዊ ሰነዳት የረጋግጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቲ ኩባንያ፣ ነቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ይእውዶ’የ ዝብሎ ዘሎ ገንዘብ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ይከፈለኒ ብምባል፣ ኣብ ካናዳ ክሲ መስሪቱ ድሕሪ ምጽናሑ’ዩ እቲ ክሲ ውዱቕ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ።

ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ናይ ካናዳ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ንዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት፣ ካብ 25 ክሳብ 29 መስከረም ናይ ይግባይ መስርሕ ከምዝርኣየ ይፍለጥ።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዕደና፣ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ፣ ብናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ምስኡ ዝተሓሓሓዘ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስትታት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ’ዩ ክርአ ዝግባእ ብምብል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ንምውራዱ ክከራኸር ጸኒሑ።

ቤት ፍርዲ ብሪትሽ ኮሎምብያ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይጸቕጥን ምእትእትታውን መንግስቲ ኤርትራ ክሰርሕ ዝኽእል ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ከምዘየለን ብምድምዳም፣ እቲ ኤርትራውያን ኣንጻር ኩባንያ ኔቭሰን ዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ካናዳ ክርአ ከምዝኽእል ኣብ ጥቅምቲ 2016 ውሳኔ ከምዝሃበሉ ይዝከር።

እቲ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ገና ቀጻሊ’ዩ ዘሎ።

=======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0