ኣገልግሎት ፖስት ኤርትራ፣ ብቕዓቱ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ተገሊጹ

ኣገልግሎት ፖስት ኤርትራ፣ ብቕዓቱ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: January 28, 2014

post

ኣገልግሎት ፖስት ኤርትራ፣ ሓደ ካብቶም ዝጸፈፈ ዘቤታውይን ኣህጉራውያን ኣገልግሎታት ክህብ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ካብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ምሕደርኡ እናደኸመ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ብፍላይ’ዚ ምስ ምቕናስ ኣገልግሎት በረራታት መንገዲ ኣኣየር ካብን ናብ ኤርትራ፣ ካብ ወጻኢ ዝተላእከ ደብዳቤታትን ኣቝሑን ናብ ዋናታቶም ክበጽሑ፣ ኣስታት ሓደ ወርሕን ልዕሊኡን ይወስድ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

 

ኤርትራ ኣብ መራኸቢታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ካብተን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ዓለም ምዃና ዝፍለጥ’ዩ።

መጓዓዝያን ኣገልግሎት ፖስጣን’ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ፣ ናብ ዝተሓተ ደርጅኡ ኣብ ምውራድ ይርከብ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0