ኣብ ኤርትራ፣ ዕድመ ዝድፍኡ ኣቦታትን ኣዴታትን ናብ ማእቶት ክወፍሪ መንግስቲ የገድዶም ኣሎ

ኣብ ኤርትራ፣ ዕድመ ዝድፍኡ ኣቦታትን ኣዴታትን ናብ ማእቶት ክወፍሪ መንግስቲ የገድዶም ኣሎ

Radio Erena: January 28, 2014

Adetat

ኣብ ኤርትራ ኣረጋውያን ጥሩታ ክወጽእሉ ኣብ ዝግባእ ዕድመ፣ መንግስቲ ናብ ማእቶት የዋፍሮም ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

እቶም ብስም ዑቕር ሰራዊት ብረት ዓጢቖም ዝርከቡ ሚሊሻን ብረት ዘይዓጠቑ ኣረጋውያንን፣ ኣብ ምህናጽ ዲጋ፣ ዛላን ካልእ በብእዋኑ ይዋፈሩ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ብሳእል ተሰንዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ዝበዝሐ እዋናት’ውን ዝሸምገላ ኣዴታት ኣፍራዛን ባዴላን ኣንጠልጢለን ኣእማን ክጓርታ ይውዕላ ምህላውን ኣረዲኡ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣረጋውያን ኣብ ማእቶት ምውፋሮም፣ ኩሉ ዜጋ ንልምዓት ሃገር ተበጊሱ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ክብል ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ዘካይደሉ እኳ እንተኾነ፣ ዥሸምገሉ ኣቦታትን ኣዴታትን ገልታዕታዕ ናብ ዘብሎም ዘሎ ማእቶት ክወፍሩ ዝግደድሉ ዘለዉ ኣውራ ምኽንያት፣ ዓድታት ይኹን ከተማታት ብዘይ ዓያዩ መንእሰይ ተሪፈን ስለዘለዋን ዘዝጎበዘ ድማ ናብ ግዱድ ውትህድርና ስለዝውሰዱን ምዃኑ ንምግንዛቡ ኣየጸግምን።

ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ግዱድ ውትህድርና ተተሒዞም ገሊኦም ድማ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ስደት ስለዘምርሑ፣ ስድራቤታት ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራት ካብ ተራ ናይ ጽሬት ማእቶት ክሳብ እቲ ዝኸበደ ናይ ምሕራስን ምስኡ ዝተተሓሕእዘ ንጥፈታትን ዝሸምገሉ ኣቦታትን ኣዴታትን ክዓይዎ ካብ ዝግደዱ ዓመታት ኣቑጺሩ’ዩ።

ኣብ ከተማታት’ውን ጥሮታ ክወጹ ዝግብኦ ዝሸምገሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ይኹኑ ካልኦት ብስም ዑቕር ሰራዊት ብረት ዓጢቖም ናብ ገርገራን ካልእ ቦታታትን እናተጓዓዙ፣ ኣብ ምህናጽ ዲጋን ዛላን ዝኣመሰለ ማእቶታት ክወፍሩ ይግደዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0