ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ 10 ኤርትራውያን ኣብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ’ዮም

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ 10 ኤርትራውያን ኣብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ’ዮም

Radio Erena: January 29, 2014

ARRA 2

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝተኻየደ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ፣ 10 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽባሕ ሓሙስ 30 ጥሪ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ቅድሚ 10 መዓልቲ፣ ነቶም ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፣ ብተመሳሳሊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ነፍሲ ወከፎም ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩን 2 ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ከምዝተበየነሎም ብሬድዮ ኤረና ተቃሊሑ’ዩ።

እቶም ሓደ ሰብ ዝተቐትለሉን ሓያሎ ድማ ዝቖሰልሉን፣ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ንዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ንኣዋርሕ ኣብ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ዘይሕጋዊ ኣኼባን ሰልፍን ብምውዳቦምን ብሰንኩ ድማ ናይ ልዕሊ 125 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ብዕናዩ’ንዮም ተኸሲሶም፣ ጉዳዮም ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክሰጋገር’ዩ ጸኒሑ።

 

ንምምሕዳር ናይቲ መዓስከራ እንተዘይኮይኑ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ከምዘይብሎም ዝሓብሩ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ዝተዋህበ ብይንን ፍትሓዊ ከምዘይኮነ’ዮም ዘረድኡ።

ብዛዕባ ጉዳዮም ዝገልጽ ኣዲስ ኣበባን ሽረን ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያን ናብ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እኳ እንተለኣኹ፣ ዝኾነ ዘተባብዕ መልሲ ብዘይምርካቦም ዝተሰምዖም ቅሬታ’ውን ገሊጾም።

=====================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0