ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነ ኣማኒት ጴንጠ ቆስጣል ክርስትና፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መትከል ኣብዮት ሞይታ

ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነ ኣማኒት ጴንጠ ቆስጣል ክርስትና፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መትከል ኣብዮት ሞይታ

Radio Erena: 14 August 2017

Kebabi Gahtelay

ፍቓዱ ደበሳይ ዝተባህለት ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነ ኣማኒት ጴንጠ ቆስጣል ክርስትና፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ መትከል ኣብዮት ከም ዝሞተት ተሓቢሩ።

ክርስትያን ሶሊዳሪቲ ዎርልድ ዋይድ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ዃላ፣ ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣመንቲ ጴንጠ ቆስጣል ክርስትና ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ምህዳን ዘመተ’ያ ፍቓዱ ደበሳይን በዓል ቤታን ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ተኣሲሮም።

እዛ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ምዃና ዝተሓበረተ ፍቓዱ፣ ኣብ መንጎ ጋሕተላይን ሽዕብን ኣብ ዝርከብ ኣጻምእ መትከል ኣብዮት ነዚ ዝሓለፈ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሪፋ።

ስነ ስርዓት ቀብራ ድማ ብሓሙስ 10 ነሓሰ ኣብ መንደፈራ ተፈጺሙ።

ኣማውታ እዛ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ዝዓረፈት ኣማኒት ክርስትና ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ብሰንኪ ሙቐትን ወቕዕን ድሕሪ ዘጓነፋ ሃለፍታን ግቡእ ሕክምና ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ዝሰዓበ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት በብእዋኑ ኣብ ዘካየድዎ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ምህዳንን ምእሳርን ስርሒታት፣ ኣማኢት ሰባት ሃለዋቶም ክጠፍእ እንከሎ፣ 10ታት ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሰነዳት የረጋግጽ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0