ኤርትራ፣ ካብ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2017 ብዘይማዳልያ ተፋንያ

ኤርትራ፣ ካብ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2017 ብዘይማዳልያ ተፋንያ

Radio Erena: 14 August 2017

Aron Kifle

ካብ 4 ክሳብ 13 ነሓሰ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2017 ኤርትራ ብዘይማዳልያ ተፋንያ።

ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን፣ 10 ሽሕ፣ 5 ሽሕ፣ ከምኡ ድማ 3 ሽሕ ሜትሮ ብሓፈሻ ሸሞንተ ኣትለታት ዘሳተፈተ ኤርትራ፣ እቲ ዝሓሸ ውጽኢት ዘመዝገበ ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ፡ ዮውሃንስ ሃብተገርግሽ ኮይኑ ሻውዓይ ኮይኑ’ውን ንቅድድሙ ዛዚሙ።

ኣብዚ ናይ ማራቶን ቅድድም ካልእ ኤርትራዊ ኣትለት ክብሮም ገብረዝጋብሄር መበል 41 ተርታ ክስርዑ እንከሎ ኣማኑኤል መሰል ውድድሩ ኣይዛዘመን።

ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ድማ፡ ኣሮን ክፍለ፡ መበል 11፡ ህዝቕኤል ተወልደ መበል 17 ደረጃ ሒዞም። ኣብዚ ቅድድም ንኤርትራ ወኪሉ ዝወረደ ሳልሳዮም ንጉሰ ኣምለሶም (ወዲ ሓኪም) ብምኽንያት መጉዳእቲ ኣብ ፋልመይቲ ዙርያ ቅድድሙ ኣቛሪጹ።

ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ መሰናኽል 3 ሽሕ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ፡ የማነ ሃይለስላሴ፡ 9ይ ተርታ ኮይኑ ቅድድሙ ድሕሪ ምውድኡ፡ ካብ መጻረዪ ናብ ፍጻመ ከይሓለፈ ተገሊፉ።

ብቀዳም 12 ነሓሰ ኣብ ዝተገብረ ቅድድም ጉያ እግሪ 5 ሽሕ ሜትር ደቒ ተባዕትዮ፡ ን5 ዓመታት ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክስን ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለምን ከይተደፍረ ዝጸንሐ፡ እንግሊዛዊ ሞ ፋራሕ፡ ብኢትዮጵያዊ ሙኽታር እድሪስ ኣብ ዝተሰዓረሉ፡ ኤርትራዊ ትስፉው መንእሰይ ኣሮን ክፍለ 7ይ ደረጃ ሒዙ።

ብሓፈሻ ኣብ’ዚ ናይ ለንደን ውድድር ኣብ ውሽጢ 9 መዓልታት ኣብ 3 ውድድራት ብምክፋል፡ 20 ሽሕ ሜትር ዝሸፈነ፡ ወዲ 19 ዓመት ኣሮን ክፍለ፡ ኣብዚ ብናህሪ ጀሚሩ ብናህሪ ዝተፈጸመ ቅድድም፡ ምስ ብሉጻት ኣትሌታት ዓለም ሓያል ቓልሲ ኣካይዱ፡ ሻብውዓይ ተርታ ምሓዙ ዝንኣድ ምዃኑ ተንተንቲ ስፖርት ይገልጹ።

ኣብዚ ውድድር ምስ ኣሮን ክፍለ ኮይኑ ንኤርትራ ዝወከለ ዓወት ሃብተ፡ መበል 14 ደረጃ ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ።

ሰንበት 13 ነሓሰ ኣብ ዝተዛዘመ መበል 16 ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ10 ወርቂ፡ 11 ብሩር፡ 9 ነሓስ፡ ብሓፈሻ ብ30 ሜዳልያታት ቀዳመይቲ ክትስራዕ ከላ፡ ኬንያ ብ11፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ6 ውህሉል ሜዳልያታት ካልአይትን ሳልሰይትን ተሰሪዐን።

ኣብዚ ናይ ለንደን ኣትለቲክስ፣ ኣብ ማራቶን ዝበለጸ ውጽኢት ከምዝግብ ትጽቢት ዝተነብረሉ፣ ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሴ ብሰንኪ መጉዳእቲ እግሪ ከምዘይተሰለፈ’ዩ ተሓቢሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0