ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

Radio Erena: 02 July, 2014

Australia

ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ንዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።

ኣውስትራልያ ነዚ ትገልጽ ዘላ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ውድብ ድሕሪ ዘቕረበቶ ጸብጻብ’ዩ።

ካብ ኣውስትራልያ እትፍኖ ሬድዮ ኤስቢኤስ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ ወኪል መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሩት ስቶን በቲ ዝቀረበ ጸብጻብ ከምዝሰንበደት ብምግላጽ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ንእሱራት ምግፋዕ፣ ብዘይሕጊ ምእሳር፣ ብዘይፍርዲ እሱራት ንነዊሕ ዓመታት ምሓዝ፣ መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ምግሃስ…ወዘተ ዝኣመሰለ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽሎ ምህላዉ ከምዘተሓሳሰቦ’ውን ኣመልኪታ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ከቢድ ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ንምባል ተባዕ ስጉምቲ ክወስድ’ውን ብስም መንግስቲ ኣውስትራልያ እታ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እትርከብ ወኪሉ ጸዊዓ።

ኣብዚ ኣብ ጄኔቫ ዝተጋብአ መበል 26 ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትምርምር ኮሚሽን ክትቐውም ከምዝተወሰነ ዝፍለጥ’ዩ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0