ኣንጻር ‘ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐርብ ጸብጻብ ዘመተ ንምውዳብ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፓሪስ ርክባት የካይዱ

ኣንጻር ‘ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐርብ ጸብጻብ ዘመተ ንምውዳብ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፓሪስ ርክባት የካይዱ

Radio Erena: 21 April 2016

Yem

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መፋርቕ ሰነ 2016 መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ንምክያድ ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ብመርማሪት ኮሚሺን ዝቐርብ ጸብጻብ ንምቕዋም፣ ብመንገዲ ኤምባሲታት ካብ ደገፍቱ ዝእከቦ ዘሎ ክታማት ብዝልዓለ ክሰርሓሉ ጻዕርታት የካይድ ኣሎ።

ነዚ ንምስላጥ፣ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ጽዑቕ ርክባት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ይርከብ።

እዞም ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፊንላንድ ዘካየድዎ ዑደት ድሕሪ ምዝዛም’ዮም ኣንጻር’ቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቀርብ ጸብጻብ ዝቐንዐ ጎስጓስ ብዝምልከት ንምምይያጥ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ።

 

በዚ መሰረት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ካብ 19 ክሳብ 21 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ፓሪስ ብምብጻሕ ምስ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን ተመያይጡ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣቶ የማነ ምስ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጴጥሮስን፣ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ኣቶ የናስ ማና ብምርኻብ ተመሳሳሊ ምይይጥ ምክያዱ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝኣልኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ንምርግጋጽ ድሕሪ 2 ኣዋርሕ ዘቕርቦ ጸብጻብ ኣብቲ መንግስቲ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

እታ ኮሚሽን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻባ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ከምዘሎ ኣረጋጊጻ’ያ።

እታ ኮሚሽን ብዝተዋሃባ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዕማም ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስሶም መርትዖታት ክትእክብ ድሕሪ ምጽናሓ፣ ኣብ ሰነ 2016 ጸብጻባ፣ ኣብ ጀኔቫ ንዝጋባእ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከተቕርብ’ያ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0