ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝርከቡ 9 ፊሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ኣብዚ ቀረባ ክልቀቑ ተስፋታት ከምዘሎ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝርከቡ 9 ፊሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ኣብዚ ቀረባ ክልቀቑ ተስፋታት ከምዘሎ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ

Radio Erena: 22 April 2016

Ph

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝርከቡ ትሽዓተ ፊሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ኣብዚ ቀረባ ክልቀቑ ተስፋታት ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዞም፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ፊሊፒናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ንኽልቐቑ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ብመንገዲ ኣብ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ዝርከብ ኤምባሲታታ ጻዕርታት ከካይድ ምጽንሑ’ውን እቲ ክፍሊ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ መጓዓዝያ ወረቓቕቲ ይሳለጠሎም ከምዘሎ እቲ ዝሓበረ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ፊሊፒንስ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝተደናጎየሉ ምኽንያት’ውን ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ፊሊፒንስ ስለዘየሎ ምዃኑ ኣረዲኡ።

 

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሮም ጸኒሖም ዝበሎም 9 ዜጋታት ፊሊፒንስ ከምዝቐየደ ንማዕከናት ዜና ፊሊፒንስ ብምጥቃስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ 4 ሚያዝያ ፈነውኣ ምግላጻ ይዝከር።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ጀዳ ዝርከብ ምክትል ቆንስል ፊሊፒንስ ኣሌክሳንደር ኤስቲሞ፣ 9 ዜጋታት ሃገሩ ንክሊ ማይ ኤርትራ ከምዝጠሓሱ ብምርግጋጽ

ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ፊሊፒንስ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምርድዳእ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ምግላጹ’ውን ኣይርሳዕን።

እቶም ትሽዓተ ዜጋታት ፊሊፒንስ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ እትርከብ ኩባንያ ምግፋፍ ንምስራሕ ተቖጺሮም ካብ ከተማ ማኒልያ ዝመጹ’ዮም።

ብዛዕባ ምትሓዝ ፊሊፒናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ ዝተወሃበ ዝኾነ መግለጺ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት’ውን የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ ዓሳ እናገፈፉ ተደጋጋሚ እዋን ክተሓዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሓያሎ ኩባንያትት ግብጺን ካልኦት ሃገራት ኤስያን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ብተደጋጋሚ ከምዝዋፈራ’ዩ ዝንገር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0