ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ፍሉይ ወኪል ው.ሕ.ኣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ንኤርትራዊ ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ፍሉይ ወኪል እቲ ውድብ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን መዚዝዎ።

    ባንኪ ሙን፣ ንኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ብደረጃ ምክትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን  ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ፍሉይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ከገልግል መዚዝዎ ዘሎ።

    ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ኣቀዲሙ፣ ከም ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ክልቲኤን ሱዳን ኮይኑ ንኸገልግል ኣብ 2010 ዝተዋህቦ ዕማም’ውን ጎኒ ጎኒ’ዚ ሕጂ ተዋህብዎ ዘሎ መዝነት ክቕጽሎ ምዃኑ ካብቲ መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድብ ዝተረኽበ ጸብጻብ የመልክት።

    ካብ 2007 ክሳብ 2010 ከም ኣማኽሪ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ፖለቲካዊ ኮይኑ ዘገልገለ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ፣ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዝነብሮ ጽፍሒ ድሕሪ ምጥንጣኑ ኣብ 2002 ኣብ ጉዳይ ኮንጎ ከም ኣማኻሪ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ’ዩ ሰሪሑ።

    ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ደረጃ ኣምባሳደር ዕማም ብሰንኪ ምልካዊ ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምርሕርሑ፣ ብኡ ንብኡ’ዩ ኣብ ዝልዓለ ጽፍሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሰርሕ ጀሚሩ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0