ካናዳ ንቆንስል ኤርትራ ክትሰጎ ወሲና

መንግስቲ ካናዳ ብጉዳይ ምእካብ ክልተ ሚእታዊት ከተጠንቕቖ ንዝጸንሐ ቆንስል ኤርትራ ኣቶ ሰመረ ገብረማርያም ዑቕባሚካኤል ከባርሮ ወሲኑ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ፣ ነቲ ካብ ኤርትራውያን ክእክቦ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ’ዩ ዝበሎ ክልተ ሚእታዊት ግብሪ ደው ከብል ነቲ ቆንስል ኣብ መስከረም 2012 እኳ እንተጠንቐቖ፣ ኣብ ቶሮንቶ ዝመደበሩ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ግና ምእካብ ገንዘብ ክቕጽሎ’ዩ ጸኒሑ። ካናዳ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከተጻሪ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፣ ነቲ ቆንስል ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ማለት ክሳብ 5 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጽእ ኣገዲዳቶ ኣላ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ጆን በይርድ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ድማ ነቲ ቆንስል ደጋጊምና ኣጠንቒቕና’ዮ ኢና ድሕሪ ምባል ንቆንስል ኤርትራ ምብራሮም ቅኑዕ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኣረጋጊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ መንግስቲ ካናዳ ዝሰጎጎ ቆንስል ኣቶ ሰመረ ገብረማርያም ዑቕባሚካኤል ብምትካእ ካልእ ቆንስል ክመዝዝ ውዕላት ጄኔቫ ዘፍቅደሉ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ዝምዘዘ ሓድሽ ቆንስል’ውን ናይ መንግስቲ ካናዳ ዘቤታዊ ውሳኔታትን ሕግታትን ከኽብር ክግደድ’ዩ። ድሕሪ’ቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ፣ ብጉዳይ ምእካብ 2 ሚእታዊት ብዝምልከት ግብራዊ ስጉምቲ ዝወሰደት ናይ መጀመርያ ሃገር’ያ። ጀርመን’ውን ኣቐዲማ ነቲ ምእካብ ክልተ ሚእታዊት ደው ንምባሉ ስጉምቲ እኳ እንተወሰደት፣ ብሰንኩ መጠንቐቕታ ዝተዋህቦ ወይ ድማ ዝተሰጎገ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ግና የለን። ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ዘካይዳ ዘለዋ ሽወደንን ስዊዘርላንድ’ውን ኣሰር ካናዳ ክኽተላ ሓያሎ ወገናት ድፍኢት ይገብሩ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0