መ. ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝወደቦ ለይታዊ ትልሂት ተበቲኑ

ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝወደቦ ለይታዊ ትልሂት ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ንዝተጓሃሃረን ዕግርግር፣ ፖሊስ እስራኤል ምሉእ ለይቲ ክብትንዎ ከምዝሓደሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

    እቲ ብቀዳም 18 ግንቦት ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ጎደና ቦርሳ ዝተኻየደ ግጭት ደገፍቲ ህግደፍን ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን፣ ድምጻዊ ተስፋኣለም ኣረፋይነ ቆርጫጭ ዝርከብዎም ሙዚቐኛታት ነቶም ደገፍቲ ህግደፍ ምሉእ ለይቲ ከላህይዎም ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም እኳ እንተነበሩ፣ ብሰንኪ እቲ ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዘካይድዎ ዝነበሩ ተቓውሞን ድሒሩ ዝተወልዐ ዕግርግርን ግና እቲ መደብ ኣብ መንጎ ከምእተዘርገ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

    ኣምባሰደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ቶርታ ንምቑራስ ዝወጠኖ መደብ’ውን ሓደ ካብ ደለይቲ ለውጢ ናብ መድረኽ ብምድያብ ማይክሮፎን ብምምንጣል መልእኽቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምትሕልላፍ ብዝገበሮ ጻዕሪ፣ እቲ ናይ ቶርታ መደብ ሕንፍሽፍሽ ከምዝኣተዎ ተፈሊጡ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ፖሊስ እስራኤል ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽን ኣብ ግዳምን ዝተወልዐ ናዕብን ዕግርግርን ንምህዳእ፣ ዘንብዕ ፍሊት እናተጠቕሙ፣ ነቶም ክልተ ነንበይኑ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ንምብታን ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ፣ ሓያሎ ካብቶም ኤርትራውያን መጠናዊ ጉድኣት ወሪድዎም።

    ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብደለይቲ ለውጢ ተቓውሞ ከይልዓል ብምስጋእ፣ ነቶም እሙናት ዝብልዎም ደገፍቲ ጥራይ እናለለዩ ናብቲ ለይታዊ ትልሂት ዝተዳለወሉ ኣዳራሽ ከእትውዎም እኳ እንተፈተኑ፣ ሓያሎ ካብቶም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ገና ተበላሒቶም ናብቲ ኣዳራሽ ብምእታው ዕላምኦም ከምዘተግበሩ’ውን ኣብቲ ፍጻሜ ዝወዓሉ ኣረዲኦም።

    እቶም ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ መወዳእታ፣ ዝበዝሐ መንእሰይ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም ግዳይ ማእሰርቲ፣ ስደትን ሞትን እናኾነ፣ ከም በዓል ተስፋኣለም ቆርጫጭ ዝኣመሰሉ ድምጻውያን ድማ ኣብ ጎኒ እቲ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ተሰሊፎም ታሪኽ ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ ንውልቃዊ ረብሓን ግዝያዊ ሓለፋታትን ኣጫፈርቲ መንግስቲ ክኾኑ ምምራጾም ከምዘጉሃዮምን ብምጥቃስ፣ ሕጂ’ውን ስነጥበባዊ ኣበርክትኦም ምእንቲ እታ ጽባሕ እትህሉ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ከውዕልዎ ታሪኻዊ ሓላፍነትን ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም።

    ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ተዳልዩ ኣብ ዘሎ መደባት ህግደፍ፣ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን’ውን፣ ጎኒ ጎኑ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ፣ ቅዋም ክትግበር፣ ብሃውርን በኣልማማ ምእሳር ዜጋታት ከብቅዕ፣ መሰል ዜጋታት ክሕሎ፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን ዝጽውዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታታት የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0